ሊብያ፣ ‘ጋህሲታት ሓተቲ ዑቕባ’ ምጽራይ ይግበረሉ ኣሎ

Radio Erena: 30 March 2022

ኣብ ሊብያ፣ ‘ሓተቲ ዑቕባ ብጃምላ ዝተቐብርሉ ጋህሲታት’ ምጽራይ ይግበረሉ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብ ሊብያ ሓቕታት ክእክብ ዝቖመ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብ28 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ካብ ሓተቲ ዑቕባ ብዝኣከቦ ሓበሬታ፣ እቲ ጋህስታት፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ግኑን ስም ኣብ ዘለዋ ከተማ ባኒ ወሊድ ከምዝርከብ ጠቒሱ።

ካብ ከተማ ትሪፖሊ፣ ኣስታት 180 ኪሎሜተር ንደቡባዊ ምብራቕ ርሒቓ እትርከብ ባኒ ዋሊድ፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታት ብእኩን ዝተቐብርሉ ጋህሲ ከምዘሎ፣ ሓበሬታ ዝበጽሖ እቲ ኮሚሽን፣ ዛጊት ዘእምን መርትዖታት ኣኪቡ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ሓደ ካብቶም ነዚ ሓበሬታ ዝሃቦ ሰባት፣ ኣብ ሓደ ጉድጓድ፣ ሰለስተ ሓተቲ ዑቕባ ከምዝቐበረ፣ ነቲ ኮሚሽን ምስክርነቱ ሂቡ።

ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ መዝርዓታትን መዳጎኒ ማእከላትን፣ ልዕሊ 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፣ ብኣሰቃቒ ኣተሕሕዛ ይሳቐዩ ምህላዉን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጻ።

ኣብዛ ሃገር፣ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሓለኑ፣ ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፣ ግዳያት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ፣ ሰምሰርቲ፣ ሚሊሻታትን ሓይልታት ጸጥታን ከምዝኮኑ ይፍለጥ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0