መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰበ ስልጣን ዝነበሩ ተጋሩ ካብ ማእሰርቲ ከምዝፈትሐ ተገሊጹ

Radio Erena: 31 March 2022

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰበ ስልጣን ዝነበሩ ተጋሩ ካብ ማእሰርቲ ከምዝፈትሐ፣ ንጠበቓ ካብቶም እሱራት ብምውካስ ሮይተርስ ብ29 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ መንግስቲ፣ ንክልል ትግራይ ተቖጻጺርሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፣ ብግዝያውነት ሸይምዎም ንዝነበረ ሰበ ስልጣን ናይቲ ክልል ዝኾኑ ተጋሩ ብ7ን 8ን መጋቢት ከምዝኣሰሮም ክቃላሕ ቀንዩ’ዩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ድሒሩ ኣብ 18 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ ብውሕዱ ሸሞንተ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ሰበ ስልጣን ነበር ከምዝተኣስሩ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ክልል ዓፈር ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተወስዱ ኣመልኪቱ።

እቶም ካብ ማእሰርቲ ዝተፍትሑ፣ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበሩ ‘ውን ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነበር፣ ስማቶም ይኹን ካልእ ንመንነቶም ዝገልጽ ዝርዝር ኣይተሓበረን።

ኣብ ክልል ዓፈር ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰር፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተበገሱ ጸብጻብ ሮይተርስ ይጠቕስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ንክልል ትግራይ ተቖጻጺርሉ ኣብ ዝነበረ ሓጺር እዋን፣ ብዝግያውነት ክመርሑ ዝሸሞም 82 ሰብ ስልጣን ምምሕዳር ናይቲ ክልል፣ ‘ብመንግስቲ ተረሲዕና’ ክብሉ ክሲ መስሪቶም ከምዘለዉ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣቐዲሙ ሓቢሩ’ዩ።

እቶም ሰበ ስልጣን ነበር፣ ሰራዊት መንግስቲ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽእ እንከሎ፣ ከይሓበሮም ከምዝሰሓበ ብምጥቃስ፣ ድሕሪኡ’ውን እንተኾነ፣ ዝግብኦም ደሞዝን ሞሳን ከምዘይተኸፍሎም’ዮም ኣማሪሮም።

ብሰንኩ ድማ ንሳቶምን ስድራቤታቶምን ንብዙሕ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም ከምዝተቓልዑ ብምምልካት፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ 23 ሚልዮን ብር ክኽሕሶም ጠሊቦም ኣለዉ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0