ሊብያ፣ ስደተኛታት ናብ ሱዳንን ቻድን ክትመስል ጀሚራ

ሊብያ፣ ስደተኛታት ናብ ሱዳንን ቻድን ክትመስል ጀሚራ

Radio Erena: 19 August, 2014

Afri Libya

መብግስቲ ሊብያ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት 90 ሱዳናውያን ናብ ዓዶም መሊሱ።

ኣስታት 700 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሱዳን ንቻድን ክመልስ ምዃኑ’ውን ይግለጽ ኣሎ።

እቶም ናብ ሱዳን ተመሊሶም ዘለዉ ዜጋታት እታ ሃገር፣ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሓለኑ ኮይኖም፣ ብፖሊስ ሊብያ ተታሒዞም ኣብ ኣል ኩፍራ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ’ዮም።

ኣብ ሊብያ ኣብዚ እዋን’ዚ ተጓሃሂሩ ብሰንኪ ዘሎ ግጭት ድማ፣ እቶም ሱዳናውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ስለዝሓተቱ፣ መንግስቲ ሊብያ ከምዘፋነዎም ኣፍሊጡ።

 

ሓላፊ ክፍሊ ስደተኛታት ኣል ኩፍራ፣ መሓመድ ፋድሒል ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፣ ብዘይካቶም ናብ ሱዳን ዝተመልሱ 90 ስደተኛታት ካልኦት 70’ውን ናብ ቻድ ከምዝመለሱ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኣል ኩፍራ ተታሒዞም ዘለዉ ኣማኢት ስደተኛታት ካብቲ ተጎሃሂሩ ዘሎ ግጭት ህወይቶም ንምድሓን ናብ ሱዳንን ቻድን ክፋነዉ ይሓቱ ከምዘለዉ’ውን መሓመድ ፋድሒል ገሊጹ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ሊብያ ንዝርከቡ ዜጋታቱ ከውጽእ ብዝጀመሮ መስርሕ ዛጊት ኣስታት 140 ሱዳናውያን ብነፋሪት ናብ ካርቱም ተመሊሶም ኣለዉ።

እንተኾነ እቶም ዝበዝሑ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎምን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሕልኑን’ዮም።

ብሰንኪ’ዚ ተጓሃሂሩ ዘሎ ግጭት ግና ኣዝዮም ብዙሓት ስደተኛታት ግዳያት ይኾኑ ከምዘለዉን፣ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሊብያ ድማ ኣጽዋር ኣብ ምጽዓንን ውጉኣት ኣብ ምልዓልን ክሰርሑ የገድድዎም ስለዘለዉ፣ ንህወቶም ብምስጋእ ካብ ሊብያ ብዝቐልጠፈ ክወጹ ይግደዱ ኣለዉ።

ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያ፣ ተታሒዞም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ እዋን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣዝዮም ብዙሓት ሱዳናውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ ክውስኑ እንከለዉ፣ ኤርትራውያን ግና ናብ ዝኸድዎ ጠፊእዎም ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሓገዝ ይሓቱ ኣለዉ።

ኣብ ሊብያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብውሕዱ ሸሞንተ ኤርትራውያን ከምዝተቐትሉን ሓይሎ ድማ ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ’ዩ።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0