ሉክዘምቡርግ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ቀዳማይ ደረጃ ይሕዝ

ሉክዘምቡርግ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ቀዳማይ ደረጃ ይሕዝ

Radio Erena: 18 February 2019

ኣብ ሉክዘምቡርግ፣ ዓመታዊ ዑቕባ ካብ ዝሓቱ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ብዝሂ ኤርትራውያን ቀዳማይ ደረጃ ከምዝሕዝ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2018፣ ብጠቕላላ ዑቅባ ዝሓተቱ ሰባት 2200 ክበጽሑ እንከለዉ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ብ17% ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።

ብካልኣይ ደረጃ ዝተሰርዑ ብ10% ዜጋታት ሶርያ’ዮም።

ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ብምንጽጻር፣ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሉክዘምቡርግ ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት፣ ኣዝዩ ውሑድ እኳ እንተኾነ፣ ምስቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ጥራይ ዝግመት ብዝሒ ህዝባ ብምዝማድ ግና ነታ ንእስቶ ሃገር፣ ብቀጻሊ ዘዛርባ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዦን ኣሰልቦርን ብዛዕባ’ዚ ካብ ኤርትራን ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ዝብል ነጥብታት ንምዝርራብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምብጻሕ ኣካይዱ’ዩ።

እቲ ሚኒስተር ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ዛዚሙ፣ ብ14 ለካቲት ናብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ብምርኻብ፣ ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝን ምግታእ ስደተኛታትን ብምትኳር ዘትዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0