ሆላንድ፣ ጉዳይ ኤርትራ ናብ ባይቶ ጸጥታ ንኽሰጋገርዝከኣላ ክትጽዕር ባይቶ እታ ሃገር ተላብዩ

ሆላንድ፣ ጉዳይ ኤርትራ ናብ ባይቶ ጸጥታ ንኽሰጋገርዝከኣላ ክትጽዕር ባይቶ እታ ሃገር ተላብዩ

Radio Erena: 06 July 2016

Dutch

ኣብ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘተን ክትዓትን ዘካየደ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሆላንድ፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ብምድጋፍ፣ እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኽሰጋገር መንግስቲ ሃገሩ ዝከኣሎ ክጽዕር ተላብዩ።

እቲ ባይቶ ንዘተን ክትዕን ካብ ዝቐረበ እማመታት ነቲ ዝበዝሐ ከምዘለዎ ተቐቢሉ ከጽድቕ እንከሎ፣ ብቀዳማይ ደረጃ ዘተኮረሉ ከኣ፣ ብዛዕባ’ቲ ብጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ነጥቢ’ዩ።

እቲ በታ መርማሪት ኮሚሽንዝቐረበ፣ “ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ’ ዝብል ጸብጻብ ከኣ ናብ ባይቶ ጸጥታ ክቀርብን ኣብኡ ክዝተየሉን፤ መንግስቲ ሆላንድ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ከምዘልዎ፤ ባይቶ ሃገረ ሆላንድ ብዘይተቃውሞ ለበውኡ ኣሕሊፉ ኣሎ።

 

ሆላንድ ምስ ኢጣልያ ብልፍንቲ ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምስ ምዃና፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ናብቲ ባይቶ እንተቀሪቡ ብዘይተቓውሞ ክትድግፎ ከምእትኽእል’ውን እዚ ባይቶ እታ ሃገር ዘጽደቖ እማመታት ይእምት።

ባይቶ ሆላንድ ብተወሳኺ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራን በቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ዘሎ ህግደፍ ዝተወደባ ትካላትን ማሕበራትን ክልተ ካብ ሚእቲ ግብሪ ከይእክባን ካልእ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ከየካይድና ብዕቱብ ንምክትታለን ዝብል ለበዋ ብዘይተቓውሞ ኣጽዲቕዎ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሆላንድ፣ ብ30 ሰነ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ኣብ ስልጣን ዘሎ ህግደፍን ዘተን ክትዓተን ድሕሪ ምክያድ ንዘቕረቦ እማመታት’ዩ ነቲ ዝበዝሐ ብ5 ሓምለ ኣጽዲቕዎ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0