ፖሊስ ኢጣልያ ብምስግጋር ስደተኛታት ዝጠርጠሮም 25 ኤርትራውያን ቀይዱ

ፖሊስ ኢጣልያ ብምስግጋር ስደተኛታት ዝጠርጠሮም 25 ኤርትራውያን ቀይዱ

Radio Erena: 06 July 2016

Italian Police

ፖሊስ ኢጣልያ ብምስግጋር ስደተኛታት ዝተጠርጠሮም 25 ዜጋታት ኤርትራን 12 ዜጋታት ኢትዮጵያን ሓደ ኢጣልያውን ከምዝቀየደ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ተቐይዶም ዘለዉ 38 ጥርጡራት፣ ካብ ሱዳን ክሳብ ኢጣልያ ስደተኛታት ኣብ ምስግጋር ክነጥፉ ከምዝጸንሑ’ዩ ፖሊስ ኢጣልያ ዝገልጽ።

ገሊኦም ከኣ ክሳብ ኣካላት ደቂ ሰብ ኣብ ምሻጥን ሓሲሽ ኣብ ምስግጋርን ዝተዋፈሩ ምንባሮም እቲ ክሲ ይጠቕስ።

 

ብምስግጋር ስደተኛታት ተኸሲሱ ንሓሙሽተ ዓመታት ክእሰር ዝተፈርደ፣ ኑርዲን ዋህራቢ ዓጣ ዝተባህለ ሰብ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ነቶም ክሃድኖም ዝጸንሐ ጥርጡራት ከምዝቐየደ ፖሊስ ኢጣልያ የረድእ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ካብ ስደተኛታት ብዝረኸቦ ሓበሬታ እናተመርሐ ናይ ባንክ ሕሳባት ናይቶም ብምስግጋር ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ዘጻረየሉ እዋን’ውን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኤውሮ ገንዘብ ከምዝረኸበ ዘ ሪፖብሊካ ዝተብሃለት ጋዜጣ እታ ሃገር ተመልክት።

እንተኾነ እዚ ፖሊስ ኢጣልያ ኣቕሪብዎ ዘሎ ክሲ፣ ክሳብ ዝጻረ ብዙሕ ክትዓትን ጥርጣረታትን ፈጢሩ ይርከብ።

ፖሊስ ኢጣልያ ኣቐዲሙ፣ ብዝልዓለ ዝህደን መድሃኔ መርእድ ይሕደጎ’ዩ ኢሉ ካብ ሱዳን ዘምጽኦ ተራ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ፍርዲ ኮለል ይብል ምህላዉ ይፍለጥ።

ኤውሮጳ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝበዝሀ ናይ ስደተኛታት ዕልቕልቕ ኣጋጢሙ ይርከብ።

ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 1.8 ሚልዮን ስደኛታት ብመንገዲ ኢጣልያን ግሪኽን ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት ይህብሩ።

ሃገራት ኤውሮጳ ብፍላይ ኢጣልያ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ንደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ምህዳን ከም ቀዳማይ ዕማም ሒዛቶ ትርከብ።

ነዚ ንምትግባር ከኣ ምስ መንግስታት ሊብያ፣ ሱዳን፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ዝርርባት ተካይድ ኣላ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0