ህግደፍ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝካየድ ሸርፍን ሓዋላን ምሉእ ብምሉእ ብሒቱ

Radio Erena: 02 July 2020

ትካል ህግደፍ ዝኾነ ሂምቦል፣ ንኹሉ’ቲ ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ሸርፍን ሓዋላን ብሒትዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ትካል፣ ነቲ ብዌስተርን ዩኒዮን፣ ናብ ባንክ ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሓዋላ መስርሕ፣ ከምዝተሓላለኽ ብምግባር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ በቲ ናይ ህግድፍ ትካል ጥራይ ከምዝኸውን ጌሩዎ ኣሎ።

እቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ሓዋላ ተዋፍሮም ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ወገናት እውን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብመንገዲ ወከልቲ ህግደፍ ኣቢሎም ናብ ሂምቦል ይልእክዎ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር’ውን ሂምቦል፣ ነቶም ገንዘብ ዝተሓወለሎም ሰባት፣ ድሕሪ ነዊሕ ኮለልን ገልታዕታዕን ይህቦም ምህላዉ ምንጭታት ኤረና ኣረጋጊጾም።

ዝተሓወለሎም ገንዘብ ብኮለልን ገልታዕታዕን ከውጽኡ ዘይክኣሉ፣ ብስም ደቆም ወይ መቕርቦም ንምቕያር ኣብ ዝሓትሉ ድማ፣ ሂምቦልን ወከልቱን ተወሳኺ 10 ዶላር ክፍሊት ይሓትዎም ምህላዎም ኣቃሊዖም።

ብጉልባብ ኮረና ቫይረስ ብዙሕ ትካላት ደስኪሉ ምስ ምህላዉ፣ ካብ ከተማታት ወጻኢ ንዝርከቡ ስድራቤታት ብዝያዳ ብኢሱ ይርከብ።

መንግስቲ፣ ንዑደት ባጤራ ናቕፋ ደሪቱ፣ ንመጠን ሸርፊ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ናብ 15 ናቕፋ እኳ እንተውረዶ፣ ምስ ዕዳጋታት ክሳነ ስለዘይክኣለ፣ ዋላ’ውን እቲ ክሕወለሉ ዝኽእል ክፋል ህዝቢ፣ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ይርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ መሰረታዊ መግብታት ምስ ዘይምህላዉ፣ ኣብ ሓያሎ ስድራቤታት ኤርትራ ናይ ጥሜት ሓደጋ ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ብሰፊሑ ይግለጽ።

ህግደፍ፣ ኩሉ’ቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝእከብ ዘሎ ገንዘብ፣ ኣብ ሩስያ ናብ ዝርከብ ጋዝፕሮም ባንክ የሰጋግሮ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ንኤርትራ ን29 ዓመታት ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህግደፍ፣ ትካላዊ ንጥፈታት መግስቲ ከምዝዳኸም ብምግባር፣ ንህዝብን ሃገርን ተጸበይቱ ጌርዎም ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪ 4 years ago

    ዓንገረር ድኣ በላ’ምበር፡ ንህግደፍ ድላዩ ክገብር ቅንጣብ’ውን ትኹን ስለዘይተጉድላሉ ክትህልላ ክትነብራ። እምበር ህግደፍ ደኣ፡ ኣይኮነን ካብ ኤርትራዊ ካብ’ቶም ንህግደፍ ከይሕግዝዎ ንዓመታት ትልምንዎም ዘለኹም ምዕራባውያን፡ ተቐበለና ኢሎም ለነሚኖም ብሚልዮናት ዶላራት ይልእክሉ ኣለዉ። እዚ ኸማን ህግደፍ ቃሕ እንተይልዎ ይቕበሎ ኣይኮነን ድማ ኢድኩም ኣክቡልና ይብሎም።
    ከምዚ ከማኹም ሎኽመኛታት ፍቱሓት ስረ ድማ ትፋእ ጸላእቲ ኤርትራ ከተልምጹ ጸሓይ ይዓርበኩም።