ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ኣብ ዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ናዕቢ፣ ብውሑዱ 50 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 02 July 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንቕትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብዝተወልዐ ናይ ብሄር ናዕቢ፣ ብውሕዱ 50 ሰባት ከምዝተቐትሉ መግለጺ ክልል ኦሮሞ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ናዕቢ፣ ቁጽሮም ዘይተጠቕሱ ብዙሓት ከምዝቖሰሉ ኣፈኛ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞ፣ ጌታቸው ባልቻ ኣረጋጊጹ።

ይኹን’ምበር ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ፣ ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ካብቲ ብክልላዊ መንግስቲ ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ ከምዝዛይድ ብዝተፈላለዩ ወገናት ብማሕበራዊ ሜድያታት ይቃላሕ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ እናተጎሃሃረ ዝመጽእ ዘሎ ናዕቢ ንምቁጽጻር፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምዕጻው፣ ናዕቢ ኣሳዊራ ንዝበላ መደበር ቴሊቪዥን ኦሮሞ ሜድያ ኔትዎርክ ሓያሎ ኣባላታ ቀይዱ ኣሎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ መንግስቲ፣ ምስዚ ናዕቢ ተተሓሒዙ 10ታት ሰባት ብኣልማማ ይኣስር ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣረጋጊጾም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0