ህዝቢ ከባቢ ሽረ፣ ካብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ሰራዊትን ኣጽዋርን ከምዝዓገተ ተገሊጹ

ህዝቢ ከባቢ ሽረ፣ ካብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ሰራዊትን ኣጽዋርን ከምዝዓገተ ተገሊጹ

      ኣብ ክልል ትግራይ፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝስሕበሉ ዝነበረ እዋን ብነበርቲ ከባቢ ሽረ ከምዝተዓግተ ተሓቢሩ።

       እቲ ኣብ 10ታት ወትሃደራውያን መካይን ዝተጻዕነ ሰራዊትን ከበድቲ ኣጽዋርን፣ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሞ ንዘሎ ግጭታት ኣብ ምርግጋእ ክዋፈር ምዃኑ ዝተፈላለዩ     ወገናት ይገልጹ።

      እንተኾነ፣ ህዝቢ ከባቢ ሽረ፣ ንክልል ትግራይ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ሓደጋታት ከይትኣልየ፣ ብፍላይ ከበድቲ ኣጽዋር ካብቲ ክልል ወጻኢ ክንቀሳቐስ ከምዘይብሉ ብምጥቃስ ነተን መካይን ከምዝዓገተን ብማሕበራዊ ሜድያታት ዝወሃብ ዘሎ ርእይቶታት የመልክት።

      ኣቐዲሙ’ውን ህዝቢ ከባቢ ፋጼ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወሰደን፣ ነቲ ዝስሕብ ሰራዊትን ኣጽዋሩን መተካእታ ክመጾ ምዃኑ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዝተሓበሮን’ዩ ተጠቒሱ።

  ስእሊ፣- ካብ ፌይስቡክ

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0