ህቡብ ደራፋይ ፒተር ጋብሪኤል፣ ምእንቲ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ይጉስጉስ

Radio Erena: 18 November 2016

Peter Gabriel

ሓደ ካብ ህቡባት ደረፍቲ ዓለምና፣ ፒተር ጋብሪኤል፣ ምእንቲ’ቲ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ምስ ሓያሎ ኤርትራውያ ጋዜጠኛታት ብጾቱ፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝእሰር ደሃዩ ጠፊኡ ዘሎ፣ ዳዊት ኢሳቕ ክጉስጉስ ጀሚሩ።

ካብ 1967 ክሳብ 1975 ኣባል እታ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጉጅለ ሙዚቀኛታት ዓለምና ዝኾነት ‘ጀነሲስ’ ዝነበረ እንግሊዛዊ ፒተር ጋብሪኤል፣ ስም ዳዊት ኢሳቕ፣ ዝተኣስረሉ ዕለትን፣ ዝኣሰሮ ሃገርን መንግስትን ዝተጻሕፎ ታቤላ ኣብ ክሳዱ ኣንጠልጢሉ’ዩ፣ እሱር ተመሲሉ ዝተላዕሎ ስእሊ ዘርጊሑ ዘሎ።

እዚ፣ ‘ቮይስ ፕሮጀክት ብዝተባህለ ንመሰል እሱራት ጋዜጠኛታትን ስነጥበበኛታትን ዝጣበቕ ኣህጉራዊ ትካል ጀሚሩ ዘሎ፣ ናይ ዝኽሪ ጎስጓስ ከም በዓለ ናይ ሆሊውድ ተዋሳኣይ ጆኒ ዴፕ ዝኣመሰሉ ካልኦት ህቡባት ሰባት’ውን ተጸንቢሮሞ ኣለዉ።

ኣብ ሽወደን፣ ቅድሚ 14 ዓመታት ዝተበገሰ “ፍሪ ዳዊት ኢሳቕ” ዝተሰምየ ጎስጓስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ኤርትራን ሽወደንን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣህጉራዊ ጽልዋታት ፈጢሩ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ኤርትራን ሽወደንን ድርብ ዜግነት ዘለዎ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም ሓያሎ ጋዜጠኛታት ኣብ መስከረም 2001 ካብ ዝኣስሮም ንደሓር፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ን15 ዓመታት ዝኾነ ደሃይ የብሎምን።

እቲ ብምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዑ መንግስታት ዓለምና ሓደ ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ፣ ህይወት ኣማኢት ዜጋታቱ ኣሕቂቑን ደሃዮም ኣጥፊኡን ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0