ስርሒት ‘ሽቓቕ’

 Radio Erena: 18 November 2016

UOA

     “ልእልቲ ዲያና ነዛ ዓለም ማንካ ከይልዓለትላ ሓሊፋ” ኣንበበት ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፣ ኣብ ናይ ሰኑይ 1 መስከረም 1997 ፈነወኣ። ብሰሙኑ ልእልቲ ዲያና ኣርእስተ ዜና ቀነየት።

     “ልእልቲ ድያና ነዛ ዓለም ማንካ ከይልዓለትላ ሓሊፋ?” ሓተተ ዶክተር ፊሽ ካብ ድምጺ ሓፋሽ ተለቂሑ፣ ኣብ ፈለማ ሌልኡ ምስ ተማሃሮ ቀዳማይ ሰሚስተር፣ ሓድሽ ዓመተ-ትምህርቲ።

     “ኣየወ…! እዛ ዓለም ብላሽ!” ኣራእሶም ነቕነቑ ተማሃሮ። ናይ ሓዘን ምልክት ምዃኑ’ዩ።

     ኣብ ተማሃሮ ዝተዓዘቦ ናይ ሓዘን ምልክት ኣመና ዘሕዘኖ መሰለ፣ ፊሽ።

     እቲ እዋን’ቲ መበል 36 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ይዝከር ነበረ።

      እንተወሓደ ቀዳማይ ዲግሪ እንተኸፍአ ድማ ናይ ግድን ዲፕሎም ክሕዙ ኣለዎም ተባሂሎም ካብ ዝተፈላለዩ ኣሃዱታትን ሚኒስትርታትን ናብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዝተወዝዑ ገዳይም ተጋደልቲ ነበሩ።

     ልእልቲ ዳያና ነዛ ዓለም ማንካ ከየልዓለትላ ምሕላፋ ማዕረ ዓለሞም ኣሕዘኖም።

     ማዕረ ዓለሞም ምሕዞኖም ዶክተር ፊሽ ብዝያዳ ሓዘነሎም።

     “ዳያና ነዛ ዓለም ማንካ እንተዘየልዒላትላ፣ ኣብ በረኻ ቀቢርካዮ ዝመጻእካ ብጻይካ ኸ ነዛ ዓለም ክንደይ ኣልዒሉላ? “ ሕቶኡ ቀጸለ ፊሽ ናብ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ፣ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ ንዝገመቶ ኣቦ።

     ገዲም ተጋዳላይ፣ ነዛ ዓለም ብክንድምንታይ መዐቀኒ ተልዕለላ ድንግርግር ዝበሎ መሰለ።

     “ማንካ እንተኾይና እታ መዐቀኒ፣ ኣየናይ ማንካ? ናይ ሽኮር ወይ ናይ ጸብሒ?” ሕቶ ከይስዕቦ ግዲ ሰጊኡ ምላሽ ኣይሃበን።

     ንገዳይም ተጋደልቲ፣ ኣውራ ንሓለፍቲ ብሕቶ ምውጣር ኣብ ሰውራ ዓቢ ነውሪ ምዃኑ’ዩ ተማሂሩ ተጋዳላይ። ክሳብ ሞት’ውን የብጽሕ።

     ኣብ ምህሮ ፊሽ ግና ኣይኮነን ዶ ንገዲም ተጋዳላይ፣ ንኣምላኽ ንባዕሉ’ውን ዝተዳለዉ ሕቶታት’ውን ነበሩ።

     “ሕቶ ዶክተር ፊሽ ትሕተ-ሃገራውነት’ዩ፣” ትሒም ትሒም በሉ ተጋደልቲ ድሕሪ ዕረፍቲ።

     ፊሽ፣ ቀለልቲ ዝመልሶም ግን ከኣ ዘጠራጥሩ ሕቶታት’ዩ ዘዘውትር። ምናልባት ካብ ባህሪ’ቲ ዘጽንዖ ትምህርቲ ዝዘንበለ’ዩ ዝኸውን።

     “ኣነን ዶክተር ወልድኣብ ኢሳቕን እንታይ’ዩ ፍልልይና?” ሓተተ ካልእ እዋን ዶክተር ፍስሃ ሃይለ።

     ብዶጎሊ ካምፓስ ኣብ ዝፍለጥ ህንጻ ዪኒቨርሲቲ፣ ክፍሊ D219 ኣስታት 200 ተማሃሮ ብጽሞና ይከታተሉ።

     ኣብ ትዕዝብቲ ዝተመርኮሰ መጽናዕቲ ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ኢዱኬሽናል ፊሎሶፊ፣ ንተምሃሮ ብሓደ ኣብነት ንምስናይ ዘቕረቦ ሕቶ’ዩ ዝነበረ።

     “ኣነን ዶክተር ወልድኣብ ኢሳቕን እንታይ’ዩ ፍልልይና?”

     ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዶክተር ወልድኣብ፣ ወናኒ ዘመናዊት ካምሪ ዝዓይነታ መኪና ነበረ። ኮምፕሌታ፣ ባድላ ምስ ካራቫታ ኣላብሳ ድማ የዘውትር። በንጻር’ዚ ዶክተር ፍስሃ፣ ፊያት ሰዪ ቸንቶ ዝሕበነላ ሃብቱ’ያ። ላሕሊሓ ሕለታ ዝወጸት፣ ስርሓት ቆርበት ዝኾነት ቁልፉ፣ ነዊሕ ታሪኽ ከምዘለዋ የዘንትወላ። ምሉእ ርእሱ ዝኸድዕ ጸጉሪ፣ ኣብ መላእ ገጹ ዑቕባ ሓቲቱ ፣ ግርማ ኣልቢስዎ።

     ገለ ካብቲ ተማሃሮ ዝተዓዘብዎ ደጋዊ ሸነኻት’ዮ።

     “እቶም ዋርድያ ኸ ኣብ መንጎይ ዶክተር ወልድኣብን ዘሎ ፍልልይ እንታይ’ዩ ምበሉ?” ዘይተጸበናዮ ሕቶ ነበረ።

     ካብ ዋርድያ፣ ናብ ጸሓፍቲ፣ መማህራ፣ ሰራሕተኛታት ክሽነን ጽሬትን ክወርድ ከምዝኽእል ገመትና።

     ግምትና ገሚቱ፣ ካብ ዋርድያ ኣየሓለፈን። ኣብ ትዕዝብቲ ዝተመርኮሰ መጽናዕቲ ንምክያድ ክትንከፉ ዘለዎም ኩርንዓት ምስትብሃል ኣገዳሲ ምዃኑ ደምዲሙ ተሰናበተ።

     ህንጡይነት ሰማይ ኣዕሪጉ ምስንባቱ ኣይፈተናሉን።

     “ዋርድያ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ እንታይ ይሓስቡ?” ቅድሚኡ ሓሲብናሉ’ውን ኣይንፈልጥን። ከመይ ከምዝመስሉ’ውን ዘስተብሃሉ ሒደት’ዮም ዝኾኑ።

                                                                 ++++++

  weld   

ክጸናቶ ቀንየ ኣለኹ።

     ፊያት- ሰዩ ቸንቶ ዝዓይነታ መኪና ብዝርኣኹ፣ ናብ ዋርድያ ቅርበ ኢለ፣-

     “እዚኣ ናይ ዶክተር ፍስሃ ሃይለ መኪና ድያ ሓቀይ? ተወከስክዎም።

     “መን’ዩ ኸ ዶክተር ፍስሃ?” ንሕቶይ ብሕቶ መለስዎ ክቡር ዋርድያ።

     “ምስ ዶክተር ወልድኣብ ኢሳቕ ወይ ዶክተር ፍስሃይ ሃይለ ቆጸራ ኣለኒ’ሞ ስለዘይፈለጥክዎም’የ ተደናጊረ” ኣደናገርኩ።

     “ዶክተር ወልድኣብ ገና ኣይኣተወን፣ መኪንኡ የላን፣” ኣስዓቡ።

     “ብእግሪ ኣትዩ ዶ ይኸውን፣ ብኣገዳሲ ጉዳየ’የ ደልየዮ” ዝተሃወኽኩ መሰልኩ።

     ንወልድኣብ ብኣገዳሲ ጉዳይ ዝደልዮ ንጸሓፊቱ ደኣ ይወከስ’ምበር ብዝዓይነቱ ፣-

     “ኦይ! ብእግሩ ደኣ መን ኣስተብሂሉሉ ኢልካዮ ኢኻ። ሓድሽ ተማሃራይ ዲኻ?” ብሕቶታተይ ዝተጠራተሩ መሰሉ።

     ካብ ንወልዳኣብ ብዝያዳ ንመኪና ወልድኣብ ከምዝፈልጡ ቀዳማይ መደምደምታ በጻሕኩ።

     እንዳ ዋርድያ፣ ፊት እታ ንወልድኣብ ዝተሓዝአት መጽለሊ ዘለዋ ጋራጅ ብምዃኑ፣ እታ ዝበዝሐ እዋን ፊት ንፊት ዝተጠማመትዋ ግእዝቲ ነገር’ያ ትኸውን።

     ሰፊሕ ባብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ወትሩ ርሑው ምስ ምንባሩ፣ ሰዩ ቸንቶ መኪና፣ ብቀጥታ ሓሊፋ ንኢድ የማን ተጠምዘዘት።

     ደው ኢሎም ዝጸንሑ ዋርድኣ፣ ገና ኮፍ ኣይበሉን። ካልእ መኪና ናብ ቀጽሪ ቀረበት።

     ሓውሲ ሰላምታን ኣኽብሮትን ሰጥ ኢሎም ኣሕለፉዋ። መራሒኣ ወሪዱ ኣስካላ ክሳብ ዝረግጽ፣ ናይ ኣኽብሮት ደው ምባሎም ኣየቋረጹን።

     “እዚ’ዮ…እዚ’ዩ ዶክተር ወልድኣብ” ክብሉኒ ደለዩ በዒንቶም።

     ዶክተር ፊሽ ዘበገሳ ሕቶ፣ ኣብ ገለ መዛዘሚ ንምብጽሓ ሰባት’ውን ክውከስ ቀንየ ኣለኹ። ቀዳማይ መወከሰይ ኣደይ ነበረት። ኣደይ ፊደል ኣይቆጸረትን። ደርግ ረድኤትን ምጥፋእ መሃምነትን ኣጣሚሩ ዘኽተቶ ወፍሪ ኣብ ኣደይ ኣይተዓወተን። ናይ እኽሊ ሬዲኤት ንምርካብ ፣ ናብ ቤት ትምህርቲ ስምረት ኣኽርያ ዝተመላለሰተን ሒደት መዓልታት ብክሳራ’ያ ትዝክረን። ተማሃርይ ሳልሳይ ክፍሊ ኣብ ዝነበረክሉ፣ መምህርን ተማሃራይ ኮይነ ዝዋስኣላ ምርኢት ኣመና ባህ የብላን የስሕቃን ነበረን። እዚ ልምዲ’ዚ ክሳብ ደረጃ ዩኒቨርሲቲ ቀጸለ። ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ዘይመዝኖ ብዓቕትን ጥበብን ግን ነበራ ኣደይ። ኣኽርያ ኣዋሊዳ’ያ ትፈልጣ። ወላዲት ፍስሃ ዕባይ ኣኽርያ ምዃነን ፈለማ ዝሓበረትኒ’ውን ንሳ ነበረት። ወላዲት ፍስሃ ዕባይ ኣኽርያ ምዃነን ምፍላጠይ ፍስሃ ፈጠረለይ።

     “እዛ ኣኽርያ’ሲ ክንደይ ዓይነት ሰብ ኮንያ ኣፍርያ?” ሓያሎ ኣዴታት ኣኽርያ ብምስትንታን እናዘከርኩ’የ።

     ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈቱ ከኣ’ባ ወይ መልእኽቲ ወይ ከኣ ሓንቲ ሳንቲም ኣቀምጥ- leave a message or a penny ዝተጻሕፈታ ምስሊ ዕየትን ንእሽቶ ጀንቢልን ተንጠልጢላ ኣላ።

     “ሳንቲም? ሳንቲም ደኣ ንምንታይ?”

     “ሜስ ጉዳኦም’ዩ ክፈቱ ” መዛኖይ ተዋዘዩ። ዋዛ’ውን ኣይነበረን ዶክተር ፊስ ፈታው ሜስ’ዩ ዝነበረ።

     ኣብ እንዳ ሜሳትን ባራትን፣ መኻዚኖ ፍልስፍና ምህላዉ፣ ከስተምህር’ውን ሰሚዐዮ ኣለኹ። ባራት መስከሪ ጥራይ ንዝመስለና፣ ኣተሓሳስባና ዘቀየረ ኣስተምህሮ’ዩ።

                                            ++++++++

  Fish 

     “ተማሃሮ ሓሳባቶም ብናጻ ዝገልጽሉ ቦታ ኣበይ’ዩ?” ካልእ እዋን፣ ካልእ ሕቶ። ካብ ሕቶ ዘዕርፍ ምሁር ኣይነበረን።

     “ካብቶም ኣብ ዕጹው ገዛን ኣብ ዓራትን ዝውጠኑ ስርሒታት፣ ዝመሃዙ ምህዞታት፣ ዝእለሙ ውዲታት፣ ኣብ ባራት ዝሰላሰሉ ክበዝሑ ይኽእሉ’ዮም። ስለዚ ተማሃሮ’ውን ተቓውምኦም ኣብ ባራት’ዩ ዝጅምር ዝኸውን፣” ድሕሪ ነዊሕ ፍልስፍና ዝተበጽሐ ነበረ።

     ዝተፍልየ መልሲ ዝያዳ እቲ ካልእ’ዩ ዝምስጦ።

     መበገሲ ተቓውሞ ክኾኑ ይኽእሉ ዝተባህሉ ኣደባባያት፣ ጎደናታት፣ ቀጽሪ ኣብያተ ጽሕፈት፣ ጋዜጣታት፣ መደበራት ሬድዮን ቴሌቪዥንን… ወዘተ ተጠቕሱ። ቅኑዓት’ዮም። ርእይቶ ሓዲስቲ ተማሃሮ ዘየቆናጽብን ብማዕረ ሚዛን ዘቐምጥን ወሓሊ ኣስተምሃሪ’ዩ።

     ተማሃሮ ዪኒቨርስቲ፣ ኤርትራውያን መማህራን ከይምደብሎም ዘጻልትሉ እዋን ሒደት ኣይነበረን። እቲ ምኽንያት ምልኪ’ዩ። ውጹእ ምልኪ። መብዛሕቶም ኤርትራውያን መማህራን ኣብታ ዘመሓድርዋ ክፍሊ መላኺ ባህሪ’ዮም ዝውንኑ። ምናልባት ኤርትራ ናይ ምምሕዳራ ዕድል እንተዝረኽቡ ካብ መንግስቱን ኢሳይያስን ንላዕሊ መለኽቲ ምዃኖም መመስከሩ። ምልኪ ካብ ገዛና ናብ ስራሕና ከነመላልስ ላሕ ኢልና ኢና ኤርትራውያን። በቃ! ምልኪ ናብራና’ዩ። ወይ ከይመለኽና ወይ ከኣ ከይተመለኽና ክንነብር ዘይንኽእል ህዝቢ ኮይና’ዩ ዝስምዓኒ።

                              +++++++

     ናብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ዪኒቨርሲቲ ኣብ ዝወስድ ናይ ሓመድ መንገዲ፣ ቤት ሻሂ ምንባራ ትዝክሩ ዶ? ንኢድ የማን እናክትዕጸፍ ቴብል ቴንስ መጻወቲ ዝነበራ ካፈተርያ፣ ናብ ጸጋም እናክትዕጸፍ ከኣ ናብ ክፍሊ ኢንጂነሪግን ዝወስድ መንገድታት ኣሎ። ናብዚ ክልቲኣቱ መኣዝን ከይተዓጸፈ ቀጥ ኢሉ ዝወስድ መንገዲ ናይ ተማሃሮ ሽንቲ ቤት ወይ ሽቓቕ ይርአ።

     ንተማሃሮ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ናይ ሽቓቕ ኣዳራሽ፣ ፊት ንፊት ዝጠማመት ሸሞንተ ንኣሽቱ ክፍልታት ኣለዎ። መናድቑ ምሉእ ብምሉእ ዘይተዓጽወ ብምዃኑ፣ ድምጺ ካብ ናብ ይስማዕ’ዩ። ተማሃሮ ሓሳቦም ብናጻ ዝገልጽሉ ወይ ከኣ ፈላሚ ተቃውሞ ዘርእይሉ ቦታ ከኣ እዚ ቦታ’ዚ ነበረ፣ ብመሰረት መጽናዕቲ ዶክተር ፍስሃ።

     ኣብ መናድቕ፣ መዓጹን ካልእ ኩርንዓት ‘ቲ ሽቓቕ ዝተጻሕፈ ሓይሎ ናይ ተቓውሞ መልእኽታት ሰኒዱ፣ ኣብ ቅድሚ ተማህሮ በብሓደ ኣንበቦ። እዞም ናይ ተቃውሞ ቃላት ቅድሚ ሕጂ ካብ ኣፍ ተማሃራይ ክወጹ ዝሰምዐ ኣይነበረን።

     “ካብዚኣ ወጻእኩም ናብዛ ሽቓቕ ኢኹም ክትጎዩ። ሓቀይ?” ህንጡይነት ኣንቢቡ’ዩ ፊሽ።

     “ገለኺም ተዓዛቦ ጥራይ ኢኹም፣ ገሌኹም ግና ነቲ ተቓውሞ ክትጽንበርዎ ኢኹም፣” ኣመላኸተ።

     ሰዓት 2፣30 ድ.ቀ ዝፈለመ ኣስተምህሮ፣ ጸለውቲ ሜላታት ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን (ቲቺንግ ኤንድ ለኣርኒንግ ፕሮሰስ – ኢንፍሉዌንሻል ሜቶዶሎጂ) ሰዓት 4 ኣቢሉ’ዩ ተዛዚሙ። ሓይሎ ተማሃሮ ካብ ዶጎሊ ካምፓስ ዘብ ዘብ እናበሉ ናብዛ መበጋገሲት ተቓውሞ’ያ ዝተባህለላ ሽቓቕ ኣተዉ። ንክልተ ዕላማ። ሽንቲ ማይን ቀልቀልን ንምርጋፍ፣ ብኡ ኣቢልካ ከኣ፣ ወይ ተዓዛባይ ወይ ከኣ ተሳታፋይ ናይቲ ኣብ መናድቕ ሽቓቕ ዝርአ ዝነበረ ተቓውሞ ንምዃን።

                                                                     ++++++++

Fiat 600     

     ካብ የማን፣ መበል ሳልሰይቲ ዘላ ክፍሊ’የ ሒዘ። ብየማነ – ጸጋም ነጉድታት ይስምዓ። ካልእ ዝስማዕ ተቓውሞ የለን። ወይ ዝተጻሕፈ ተቃውሞታት ተንብብ ወይ ከኣ ተቃውሞኻ ትጽሕፍ። ከተዕርፈኒ ዝሓዝኩዋ ክፍሊ፣ ኣብ መዓጹኣ፣ ስሙ ዘይጠቐሰ ተማሃራይ ኣኒማል ሳይንስ፣ ሰምሃር ንዝተባህለት ተማሃሪት ብፍቕራ ከምዝሓመመ’ዩ ብግዙፍ ጽሒፉ። ተቓውሞኡ ኮይኑዋ ንሳ’ያ። ንሰምሃር ከምዘፍቕራ ክነግራ ኣይተብዐን። ኣብ መንደቕ ሽቓቕ ክጽሕፎ ግና ተቢዑ ኣሎ። ንክሓታ ዘተባብዕ ርእቶታት ነስነስሉ። ደቂንስትዮ ማዕረ ተመን ሓደገኛታት ምዃነን ዘጠንቕቑ ከኣ በቲ ሓደ ሸነኽ ተሞክሮኦም የካፍሉ።

     ሰምሃር፣ “ኣብ መደቀሲ ተማሃሮ (ዶርሚተሪ) ዝቕመጥ፣ ፋታ እንዳገብርኣብ ላተርያ ዝምገብ ወዲ ዓድዃላ ንፍቕሪ ሓቲቱኒ” ኢላ፣ ከምዘዕገርገረት ክውረየላ’ዩ ወሪሑ። ፍሽኽ ኢላቶም ጥራይ እንተሓሊፋ፣ ኣብ ፍቅሪ ከም ዕዉታት ዝቑጸሩ ተማሃሮ’ውን ነበሩ።

     “ህይወት ጥዕምቲ” ብቀይሕ ቻርኮል ደሚቑ ይእርአ ብኻልእ ኩርናዕ።

     “ኣበይኣዴኻ ጥዒምካያ?” ይሓትት ሓደ ብነድሪ።

     “ነየነይቲ ህይወት ኢኹም? ኣነጽሩልና?” መብርሂ ደለየ ካልእ። ገሊኦም ህይወት፣ ገሊኦም ሂወት ከምዝሰለጦም ይጽሕፍዎ ነበሩ።

     ንሂወታ ዝለመዱዋ ተማሃሮ ኣለዉ ዝውረየሉ ዝነበረ ግዜ’ዩ። ኣብ ክሊ ዕድመ 50ታታ እትርከብ ሰራሕተኛ ጽሬት ዶጎሊ ካምፓስ’ያ።

     ሂወት ገዲም ኣባል ሳንታፋሚልያ። ኣብ ጎኒ’ቲ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ፣ ኣብ ዝርከብ ቤት መቕደስ ካቶሊክ፣ ንእሽቶ መንበሪ ክፍሊ ከምዝነበራ ይውረ። ብልክዕ ንመንበሪ ሂወት ርእየ ዝበለ ኣይተሰምዐን።

     ኣብ ኣባየት ሜስን ስዋን ዘምሰዩ ተማሃሮ፣ ለይት-ለይቲ ንደጌታት እዛ ክፍሊ ኣራግጽ ወዲኦሞ ይሕመዩ ነበሩ።

     ህይወት ናይ ኣእምሮ ስንክልና እኳ እንተነበራ፣ ካብ ዝበዝሑ ተማሃሮ ዝጸረየት ነበረት። ንድሕረ ባይታኣ ዘጽንዐ ኣይነበረን። ልሳና መሊኡ ኣይጸረየን። ንወዲ ብናይ ጓል ንጓል ከኣ ብናይ ወዲ’ያ ትጽውዕ። ንገሊኦም ተማሃሮ፣ “እዚኣ ጥዕምቲ’ያ” ትብሎም ነበረት። ጣዕሞም ኣበይ ምንባሩ ከየነጸረት። ካብ ርህራሄን ድንጋጼን ክሕግዙዋ ዝብግሱ ነበሩ። ሂወታ እተወናውኖም ከኣ ነበሩ።

     ብድሙቕ ሕብሪ “ህይወት ጥዕምቲ’ያ” ዝጸሓፈ ተማሃራይ፣ ነየነይቲ ህይወት ምዃኑ ከየነጸረ ተማሃሮ ፈቐድኡ ተበተኑ። ክሳብ ሎሚ’ውን ከነጽረሎም ዝጽበዩ ብዙሓት ምህላዎም በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ምዝኽኻሩ ጠቓሚ’ዩ።

     “ኤህ! ንዓኹም ሲ ጩራ ደኣ ይርከብኩም፣” ብምረት ጸሓፈ ተስፎም። ዝተጠቕመላ ሽቓቕ ንየማን ኣብ ቅድሚት’ያ እትርከብ። ተስፎም ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ንመንነቱ ዝገልጽ ኣየቀመጠላን።

     ተኸስተ ጩራ፣ ሓለዋ መመገቢ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ’ዩ። ሪጋ ንዝጥሕሱን ንዘዕገርግሩን ተማሃሮ ፍቱን መድሃኒት ነበረ። ኣደናጊሮም ንዝደግሙ ድማ ቀታሊ ነፍሲ። ማዕረ ሓለዋ ሰውራ ዘባህድሎም ተማሃሮ’ውን ነበሩ። ጩራ፣ ግዝፊ ኣካላቱ ጥራይ ዘይኮነ፣ ጓህሪ ዝተፍአ ኣዒንቱ’ውን መርዓዲ’ዩ።

     ተስፎም፣ ጩራ ይርከብኩም ዝራገመሎም ዘለዉ ኮን መን ይኾኑ?

     “ንመነዴኻ?” ተቖጥዑ ገሊኦም፣ ንመን ምዃኑ ከየጻረዩ ገለ ረሳናት።

     ዪኒቨርሲቲ ኣስመራ፣ ብጸብሒ፣ ባኒን ጫማን ዝከራፈሱ ተማሃሮ’ውን ኔሮማ’ዮም።

     ንጸጋም ኣብ ዘሎ መንደቕ፣ ንዶክተር ወልድኣብ ኢሳቕ ዘዋርድ ናይ ነውሪ ቃላት ተሓንጢጡ። ቁጠዐኡ ኣብ ሽቓቕ ኣውጺኡ ኣሎ። ናይ ፍልስፍና ጥቕስታት ማእለያ የብሎምን። ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ኣይሰነፉን። “ነቲ ቅዱስ ቃል፣ ኣብዚ ርኹስ ቦታ ኣይትጽሓፍዎ” ኣብ ጎኑ ይንበብ። “መነዴኻ’ዩ ንሽቓቕ ርኹስ ጌርዎ” ዝማጎት’ውን በቲ ካልእ።

     “ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!” ኣብ ሓንቲ ክዝክራ ዘይክኣልኩ ካብዘን ንኣሽቱ ሽቓቓት ነበረት።

     “ክላ ግደፈና ኣበይ ዘሎ ሓፋሽ” ኣብ ጎና ተለቀበታ።

     ትርጉም ሓፋሽን ህዝባዊ ግንባር ነዛ ጭርሖ ዝመረጸሉ ምኽንያትን ከይሰልከየ ብዝርዝር ኣስፊሩላ ሓደ ካድር። ብዝሒ ዘለዎ ጽሑፍ ንዓይኒ ሰሓቢ ኣይኮነን። ኣብዘን ሽቓቓት እዚኣተን ነዊሕ ምጽሓፍን ነዊሕ ምንባብን ዝብርሆም ክህልዉ ከምዝኽእሉ፣ ጽሕፍቲ ናይዚ ካድር ኣብነት ኮነት።

     ኣብ ሓንቲ ካብተን ሽቓቓት፣ ንክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራን ቻንስለር ዪኒቨርሲቲ ኣስመራን ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘናሹ ጽሑፍ ከምዘሎ ተወርየ። ንየማን ኣብ መወዳእታ ዘላ ሽቓቕ ምዃና ተሓበረ። ጸግዒ ምስ ምዃና፣ ብዝያዳ ካብ ዝምረጻ ክልተ ሽቓቓት’ያ። ካብ ኣራግጽ ዝሓሸት’ያ። ብዝሒ ዓዋዊል ነበሩዋ። ንሓንቲ ካብዘን ሽቓቓት እዚኣተን ዝመረጹ፣ ሪጋ ዝሓዙ ተማሃሮ ምርኣይ ልሙድ ነበረ። ኣውራ’ኳ ድሕሪ’ቲ ንክቡር ፕርዚደንት ዘናሹ ጽሑፍ ኣለዋ ዝብል ወረ ምዝርግሑ። ክቡር ፕረዚደንት ከም’ዚ ሎሚ ክናናን ኣርዮስን ከይተሰምየ፣ እቲ እዋን’ቲ ማዕረ ነብያትን ቁዱሳንን ዘመስግንዎ ነበሩ።

                                        +++++++

Cafe  

       ሽቓቕ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ጠመቲ-መጻኢ ከምዘለዉ ዝሓበረት ናይ መጀመርያ ማዕከን ዜና ኮነ።

     ሽቓቕ፣ ከከም ዓይነ ኣሰራርሓኡን ኣጠቓቕምኡን ስማት ይወሃቦ’ዩ። ኣብ ሕብረተሰብና ብዙሕ መጸውዒ ስማት’ዩ ዘለዎ። ሽቓቕ፣ ዓይኒ ምድሪ፣ ሽንቲ ቤት፣ ቀልቀል..ወዘተ። ኣብ ቋንቋ እንግሊዝ’ውን ቶይለት፣ ሬስትሩም፣ ዋተር ክሎሰት ይብሃል’ዩ።

     ሽቓቕ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ከም ማሕበራዊ ሜድያ ኣገልጊሉ። ፌስቡክን ትዊተርን፣ ካብ መናድቕ’ዚ ሽቓቕ ዝተቐድሕ ምህዞ ከይከውን መጽናዕቲ የድልዮ።

     ርእሱ ዝኸኣለ ቤት ንባብ’ዩውን። እኳ ደኣ ብሓጺርን ኩሉ ዘማልአን። ተቓውሞታቶም፣ ፍቕሮም፣ ጽልኦም ፣ ሕርቃኖም፣ ስምዒታቶም፣ ብግሁድ ክገልጹ ንዘይተብዑ ድማ ፍቱን ቴራፒ። ናይ መናድቕ ጽሑፋት ንዝሰልቸዎ፣ ቀልቀል ዝተለበጡ ጭርምራም ወረቓቕቲ ኣብ የማነ- ጸጋም ተዘርዮምሉ ኣለዉ። ፊዚክስ፣ ማትስ፣ ሂስትሪ፣ ኬምስትሪ፣ በብዓይነቱ ፍልጠት ኣብዚ ሽቓቕ’ዚ ይርከብ።

     ጥቕስታት ኦሾ፣ ኸሊል ጅብራን፣ ሼክስፔር፣ ግጥምታት ጆን ኪትስ፣ ፐርሲ ሸሊ፣ ዎርድስዎርዝ ቤተ መዘክር ጥበብ’ውን የምስሎ። ደራሲኣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝተማህረ’ዩ ካብ እትብሃል ናይ ኣምሓርኛ ልቢ ወለድ ሰመመን ዝተወስደት “ንግስተይ’ባ ምለሰለይ” እትብል ሓረግ ከይተረፈ’ውን ይንበብ። ሓደው ኣብ ጸወታ ቸዝ ወይ ከኣ ኣብ ጸወታ ፍቕሪ ንግስቱ ዝመንጠልዎ’ዩ ዝኸውን። ምምንጣል ንግስታት ገርጊሩ’ዩ ዝነበረ ኣብ መንጎ ተማሃሮ።

     ናይ ኢድ ኣሳእል ዝለማመዱ’ውን ነበሩ። ኣብ ሽቓቕ ኮይኖም መጽናዕቲ ዝቕጽሉ ሸምደድቲ’ውን ነበሩ። እንተገደደ ተኾይጥካ፣ ብናጽነት ምሕሳብ ኣሎ ኣብ ሽቓቕ። ንሽታን ነጕድን እናተጻዊርካ ማለት’ዩ።

     “ደንጕኻና” ዝጣርዑ ማዕጾ ኳሕኵሖም የበራብሩ’ዮም። ገና ስረ ብግቡእ ዘይዓጠቝ፣ ኣብ ነገርን ቆይቁን ዝራኸቡ’ውን ነበሩ ። በቃ! ንእሽቶ ዓለም’ያ።

     ኣብ ሽቓቕ ሽጋራ ዝተለማመዱን ግብረ-ሕቡእ ዘማዕበሉን’ውን እኮ ኣይሰኣኑን’ዮም። ንሽቓቕ መሓከሊ ዝገብሩ’ውን ኔሮም። ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ኣብ ውሽጢ ሽቃቕ ዝሸፈቱ ምንባሮም ዕላላት ኣኽርያ ኣሎ። ሽቓቕ ንርቕሰ ቅትለት ዝመቸአ ብሕቱው ክፍሊ’ውን’ዩ። ብሕሱም ፍቕሪ ዝተቐንዘወት ጎርዞ ኣኽርያ፣ ኣብ ሽቓቕ በረኪና ሰትያ፣ ንስክላ ካብ ሞት ድሒና ይውረ። ዋላ’ኳ ሽቓቕ ኣብ ዘይብሉ መንበሪ ቤት ኣኽርያ እንተዓበኹ፣ ንምስጢረ- ሽቓቕን ዕላላቱን ጓና ኣይነበርኩን። ኣኽርያ ጥዑም። ንእግረመንገድኹም፣ ህዝቢ ኣኽርያ ዘዘውትሮ ሽቓቕ ቀልቀል እንዳወረደ ነበረ።

                                                               ++++++++++

     መንግስ፣ ሮሞዶን፣ ሮቤል ወዲ ቀሺ ሳሙኤል፣ ኣማን ጤራ፣ ዓንዶም፣ሳምሶን፣ ተስፋልደት ትኩላ፣ ስምረት የማነ (ነብሳ ይምሓር)፣ ሰላም፣ ፌቬን፣ ሌዊ፣ ሰመረ፣ ስምኦን ፈረስ፣ ኣድሓኖም ዓዲ ንፋስን ክልተ ክብሮምን ተማሃሮ ካልኣይ ዓመት ሓንቲ ክፍሊ’ዮም። ሰለስተ ዕባያት ኣኽርያ ነበሩ። ፍልስፍናን ስነ ጽሑፍን መሃነቶም ከጥፍኣሎም ኢሉ። ኣውራ’ኳ ብስነ ግጥሚ ህንዳዊ ፕሮፌሰር ባህታቻርጂ በቃ ፍጹም ዓበዱ። ዶክተር ፍስሃ’ውን ሓደ ካብ ናይ ወትሩ ዕላላቶም ኮነ።

     ኣድሓኖም ንገለ ኣባላት እዛ ክፍሊ ናብ ንግደት ዓዲ ንፋስ ጋበዘ። ስዋ ዓዲ ንፋስ፣ ጓህሪ ፈጠረ። ሮሞዳን እናኽረስን ናይ ቀደም ደርፍታት ኣብራር ዑስማን ኣስምዑኒ’ዩ ዝብል። ታሪኽ ጀብሃን ሻዕብያን ኣብዘን ደርፍታት ኣሎ ይትንትን። ዕላላት ካብ ጀብሃን ሻዕብያን፣ ናብ ፍልስፍናታት ባህታጃርጂን ፍስሃን ተናጠሩ። ጽሑፋት ሽቓቕ፣ ስጋን ነፍስን ለቢሶም ልሳናት ኮኑ።

     ኣብ ሽቓቕ ፈኸም ዝጀመረ ተቓውሞ ተማህሮ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዓሊግድር ገሃጽሃጽ በለ። ሽቓቕ፣ ኣውራ መተሓላለፊ መልእኽታት ተቓውሞ ይኸውን ኣሎ ተሓምየ። ከይጸረየ ብርስሑ ክሕደግ ተመረጸ። ተቓውሞ ካብ ሽቓቕ ወጺኡ ኣብ ሜዳ ፍቕሪ (Love Square) ሓኾረ። ሰለይ ኢሉ ድማ ናብ ስታድዮም ኣተወ።

                                                                  +++++++++

 Camp    

     ዊዓ ሽቓቕ የብሉን። ኮይና ተሪፋ ኣብ ጎግጎል’ያ። ብጸሓይ ሰምሃር ዝረሰነ ኣእማን መሓበሲ መቀመጫ እንተዘይኮይኑ፣ ተቓውሞ እትገልጸሉ፣ ሕቡእ ፍቕሪ እተቃልዓሉ መናድቕ የለን።

     ኣብ ሳዋ፣ ንቀልቀል ዝወጸ መታዓልምተይ ሓሙሻይ ዙርያ፣ ኣቐዲሙ መሐበሲ መቐመጫ ዝተጠቕመላ እምኒ፣ ንጽባሒቱ’ውን ደጊሙ ከምዝረኸባ ከዕልለኒ እዝክር። ንዋዛ’ዩ ዝኸውን። ነታ እምኒ እቲኣ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓሙሻይ ዙር ክንደይ ተዓላሞ ተሳሊሞማ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ብምስትንታን ሓሰብ።

     ንክንደይ ዝኣክል ግዜ ከምዘገልግል ዝሕብር ናይ ኤክስፓየር ዕለት ዘይብሉ፣ ብጸሓይ ሳዋን ዊዓን ዝረሰነ እምኒ፣ ሓደጋ ጥዕና የስዕብ ኣሎ ተዓዘቡ ለባማት። ካብ ወረቓቕትን ኣእማንን ተናጊፎም ብወግዒ ናብ ኣቡሪቕ ተሰጋገሩ። ዓኳር ጸርፊ ዘይኮነ ጽርየትን ጥዕናን ምዃኑ ቃል ምስክርነቶም ኣካፈሉ።

     መማህራን ዩኒቨርሲቲ ዝተፈልየን ዝያዳ ዝነጽሀን ሽንቲ ቤት ነበሮም። ዶክተር ፊሽ ደኣ ናብዛ ዝበዝሐ እዋና ብሽታ ዘይተቕርብ ሽቓቕ እዚ’ኣ እንታይ ኣምጽኦ? ሕቶታት ከም እንደገና ገንፈሉ። ፊሽን ወልድኣብን ርእስን ከብድን’ዮም መደምደምታ ተበጽሐ። ርእሲ ትሓስብ ከብዲ ከኣ ትበልዕ ማለቶም’ዩ ዝኸውን።

     ተቓውሞ ሽቓቕ ንምዕጋት፣ ሽቓቕ ዝርከበሉ ዩኒቨርሲቱ ጠቕሊሉ ክዕጾ ተመርጸ። ዶክተር ወልድኣብ፣ ብርእሱ ዘይኮነ ብኸብዱ ከምዝሓስብ ርጉጽ ኮነ።

     “ብሃንደብት ዓሪፉ” ምስጢራ ዛጊት ዘይተጋህደ ንሓያሎ ኤርትራውያን ዘፋነወት ኣውያት’ያ። ፍልስፍና ሽቓቕ፣ ንዶክተር ፊሽ ናብ ዕጫ ሶቕራጦስ መሪሕዎ ተወርየ። ዶክተር ፍስሃ ሃይለ ብሃንደበት ዓሪፉ ዝብል መርድእ ፈቐድኡ ተለጠፈ። ዶክተር ወልድኣብ ኢሳቕ ናብ ዓዲ ከብዱ ተመልሰ።

     “ኣነን ዶክተር ወልድኣብ ኢሳቕን እንታይ’ዩ ፍልልይና?”

     ኡሬካ! ኡሬካ! ንጹር መልሳ ኣብ ሽቓቕ ተረኽበ።

                                                                   +++++++++

     “እዚ እኮ ናይ ኢትዮጵያ’ዩ” ቅዱስ ጊዮርግስ ቢራ እናቀድሐ። መዳ’ዩ።

     “ቅድሱ ጊዮርጊስ እኮ’ሞ ኢንግሊዛዊ’ዩ።” ኤፍሬም ካልእ ዓይነት ቢራ’ዩ ኣዚዙ።

     “ቅዱስ ጊዮርጊስ እቲ ገበል ዝቐተለ” ሓተተ መዳ፣ ንቤት መግቢ ሲምባ ናይ ዮተቦሪ ኣብ ክልተ ክመቕላ ኢሉ ብዓውታ።

     “ኣይ ጠበቕ’ዩ እኮ ቀቲሉ፣ ዙም ኣውት ጌሮም’ዮም ኣግዚፎም ገበል ኣምሲሎሞ” ተዋዘየ ኤፍሬም።

     ኤፍሬም ካብ ቅዱስ ጊዮርግስ ዝዓቢ ካልእ ዋኒን ኣለዎ። ሓደ ካብ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት’ዩ።

     ዓርቢ ሓርነት ምንቕስቃስ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ስዉር ምንቅቓሕ፣ ምጉስጓስን ምቅላዕን ዘካይድ ምንቃስቓስ።

     “ሃንደበት ናብ ዝተመርጹ ኣሽሓት ቁጽርታት ቴሌፎን፣ ብሮቦኮል ናብ ኤርትራ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ኣብ ጎደናታት ኣስመራን ኣብ ህዝባዊ ቴሌፎናትን ናይ ተቓውሞ መልእኽቲ ለጢፉ። ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ!’ ዝተጻሕፎ ናቕፋ ዘርዩ” ዝብሉ ዜናታት ኣብ ሽቓቓት ፌስቡክ የንብብ’የ።

     ስቶኮልም፣ ጸሓይ በሪቝላ ውዒሉ፣ ኣብ ባርቤኵዩ ኢና ውዒልና።

     ብኣጋጣሚ ዝተኣኻኸቡ ሓያሎ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ነበሩ። ንእግረ መንገዶም ብዛዕባ መጻኢ መደባቶም ምስ ቢራን ስጋን እናቛሰዩ ይመያየጡ።

     ዶክተር ጽጋቡ ህድእ ኢሉ’ዩ ዝሰምዕን ዝምልስን። ስጋን ቢራን ተሓሲሙ ብሰላጣን ማይን ከማሲ’ዩ መሪጹ። ኣመንግዩ ሓደ ክልተ ንምምዓጕ ግና ብዕላል ይድፋእ ነበረ።

     መስፍን ቢራን ስጋን ዝንቕንቖ ኣይመስልን። ሜሮን ዕላል ክመውቕ ኣብ ምስሳይና ዝያዳ ነጠፈት።

     መዳ እናሻዕ ዮሴፍ ገብሪህይወትን ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይን ይጠቕስ። ንምቕንጃው ገድሊ (Romanticising Gedli) ልዕሊ መዳ ዝበዝሐ ዝተወከሳ እንተሎ፣ ምናልባት ፈረንሳዊ ጸሓፊ ዦን ባፕቲስት ዝኸውን። Érythrée, un naufrage totalitaire (ኤርትራ፣ ዝጠሓለት መርከብ ምልኪ) ዝበዝሐ መወከስኣ ዮሴፍ ገብርህይወት’ዩ። እዛ ብቋንቋ ፈረንሳ ዝተዳለወት መጽሓፍ ትንታነ ምቕንጃው ገድሊ’ያ ምባላ ይቐልል። መዳን ዦን ባፕቲስን ንዮሴፍ ዘለዎም ምስጋና ልዑል’ዩ። መዳ ኣብ ዕላሉ፣ ዦን ባፕቲስ ኣብ መጽሓፉ።

     ሓላው እታ ወርቃዊት ገረብ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከንብባ ዘይምኽእሉ ንገዛእ ርእሱ’ዩ ዝድንጽዎ ንመዳ። ምስ ደራሲኣ ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ ብኣካል ነዊሕ ከዕልል ምኽእሉ ግና ዝያዳ ኩልና ነታ መጽሓፍ ቅርበት ዘለዎ መሰለ።

                                                                        ++++++++

     Friday Freedom

     “ዓርቢ ሓርነት ኣብ ስርሒት ሽቓቕ ዘይዋፈር?”

     “እንታይ’ይ ኢልካ?”

     “ማለት’ሲ፣ ሽቓቕ ከይተጠቕመ ዝውዕል ሰብ የለን፣ ሽቓቕ ከኣ ተቓውሞኻ ይኹን ሓሳብካ ብናጻ ንምግላጽ፣ ጽሑፋት ንምዝርጋሕ ዝያዳ ውሕሱ’ዩ ኢለ’የ፣” ኣባል ዓርቢ ሓርነት ዘይኮንኩ ክነሰይ ኣብ መንጎ ዕላላቶም ጠብሎቕ ምባለይ እናሰከፈኒ።

     “ኣብ ኤርትራ ‘ሞ ብዙሕ ህዝባዊ ዓይኒ ምድርታት ዘየለ። ኣስመራ ከም መወከሲ እንተወሰድና ጥራይ፣ ፍርቂ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ከተማ ኣብ እግሪ ገዛ ታኒካ፣ ኣርባዕተ ኣስመራ፣ ማይ ኣባሻውል፣ ባሕቲ መስከረም…” ኣብ ምዝርዛር ተሓባበርና። ነንዝክሮ ጠቀስና እንዳማርያም፣ ዕዳጋ ሓሙስ…ወዘተ።

     “እዘን ዓይኒ ምድርታት ዝበዝሐ እዋነን ብቀልቀል ተደፊነን ዝጥቐመለን ውሑድ’ዩ።” ሓደ ርእቶኡ ሃበ።

     “እንታ እዚ መንግስቲ እንታይ’ዩ ጌርኩም፣ ቆፎን መለሲን ክሕሉ ሓግዩ ሲ፣ ሕጂ ከኣ ኣብ ሽቓቕ ተሽኪል ከተውጽእዎ።” ካልእ ተዋዘየ።

     “እቲ መንግስቲ ንባዕሉ እኮ ካብ ብሑቕን ሽቓቕን ኣይሓይሽን’ዩ።” ሕርቃኑ ኣውጽአ ሳልሳይ።

     “ብሑቕ ክፍትሽ ዝሓጊ መንግስቲ ሰሚዕኩም ትፈልጡ?” ይዋዘ ከምዘየለ ዓቲቡ ጠመተና።

     “ሽቓቓት ከመይ ጌርካ ትቆጻጸሮም ተሞክሮ ኣለዎ መንግስትና።” ርእይቶ ኣፍሰስኩ። ጉዳይ ተሽኪል ኣብ ሽቓቕ’ውን ዋዛ ክኸውን ከምዘይክእል ከረጋግጸሎም ኢለ።

     ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ቀልቀሎም ብዘይጥንቃቐ ይፍንዉ ኣለዉ ተባህለ። ምልክት ተቓውሞ ከይከውን ተጸንዐ። ዝበዝሐ’ቲ ኣብ ክልቲኡ ህንጻታት ዝርከብ ሽቓቓት ንኣባላት ዕጹው ክኸውን ተወሰነ። ሓለፍቲ ከም ፍሉይ ሓለፋ፣ መፋትሕ ናይ ሽቓቕ ተረከቦም። ልዕሊ 500 ንዝግመቱ ኣባላት ዜና፣ ክልተ ናይ ኣወዳት ክልተ ናይ ኣዋልድ ንኣሽቱ ሽቓቓት ኣብ ጎኒ ካፈተርያ ተሃንጻሎም። ህዝቢ ፎርቶን ከባቢኡን ክሳብ’ውን ካብ ቓኘው ከይተረፉ፣ ነዘን ሽቓቕ እዚአን ይጥቐሙ ኣለው ሓበሩ ተሽኪል ዝወጹ ኣባላት። “ሽቓቕ እንዳዜና፣ ህዝባዊ ዓይኒ ምድሪ ኮይኑ” መረረ ሰማይ ዓረገ። ካብ መንበሪ ኣባይቲ ተጋደልትን ኣባላት ዜናን ክፍለ ብነዊሕ መንደቕ ተሓጽረ። ሽቓቕ እንዳ ዜና ብዘይ ‘ይሕለፍ’ ዘይእቶ ኮነ።

     ሽቓቕ እንዳ ዜና ዝንበብ ተቓውሞ ኣይነበሮን። ማሕበራዊ ሜድያ ኣባላት ዜና ካብ ሽቓቕ ወጻኢ ነበረ። ህድማ ገነነ። በዚ ድማ ተቓውሞ ኣባላት ዜና ኣብ ሽቓቕ ከይተጻሕፈ’ውን ንቡብ ኮነ።

     ባር በረኸት፣ መፍትሒ ሽቓቕ ንምርካብ ቅድሚ ሰዓት ዱማንዳ ምቕራብ የድሊ። ኣብ ሓያሎ ኣብያተ መግብን ሻሂን ተመሳሳሊ’ዩ። ክሪስፒ፣ ባር ሕውነት፣ ባር ውሪሕሪሕ፣ ባር ዳያና፣ ሱፐር፣ ቱነል፣ ሽቓቓተን ንህዝቢ ክፉት’ዩ። ተዛኒኻ ናይ ሽቓቕ ናጽነት ንምርካብ ዘተባብዕ ግን ኣይኮነን። ኣውራ’ኳ ንደቂ ተባዕትዮ።

     ደቂንስትዮ ንቀልቀል ይኹን ሽንቲ ማይ፣ ኣካለን ክቀልዓ ዘይምኽኣለን ፍሉይ ረብሓ ናይ ውሕሱ ሽቓቕ ኣለወን። ዓርቢ ሓርነት ኣብ ስርሒት ሽቓቓ ብዝሒ ዘለወን ደቂንስትዮ ክውድብ ኣለዎ።

     ነፍሲ ወከፍ ዝተቐባበለሉ ዕላላት’ዩ።

     ባርቤክዩን ቢራን ጎስዕታት ኣሰሪቡ ናብ ሽቓቕ ከብለኒ’ሉ።

     “በሉ መጻእኩ” ካብ መቓምጦይ እናተሳእኩ’የ።

     “ንሕና ፈርሓት ኢና። ብጎረባብትና ዘይንቐንእ። ህዝብታት ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሓሸ ኣብ ምልኪ እኳ እንተለው፣ ተቃውሞኦም ካብ ምግላጽ ግና ዓዲ ኣይውዕሉን’ዮም። ጣልያን’ዩ ‘ኮ ለኪሙና። ፋርኬታን ፋኛቱራን ኣልሚዱ ተቓውሞና ኣብ ከብድን ሽቓቕን ሓጺርዎ። መንግስቲ ንህዝቢ ሓልዩ ኣይፈልጥን። መንግስትን ህዝብን ከኣ ሓደ ኮይኖም እኮ ኣይፈልጡን። ህዝቢ’ዩ ንመንግስቲ መስርዑ ዘትሕዞ። መንግስቲ ኣይኮነን ንህዝቢ መስርዑ ከትሕዞ ዝግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ንገርም ህዝቢ እኮ ኢና። እናተጸረፍና ነጣቕ፣ ኣብ ፈቐዶ ማእሰርቲ እናሓቐቕና ንዕስዕ። ብሓቂ ንገርም! ደሓን ከኣ እቲ ናይ ከብድን ሽቓቕን ተቓውሞስ ናይ መን ኮይኑ። እዛ ኩላ ስድራቤታት፣ ደቃ ብዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን እተፋኑ ዘላ ደይ ንሱ’ዩ። እታ ዘይክኣለት ከኣ፣ ኣብ ሽቓቕ ኮይና ተቃውሞኣ ትቕጽል ትህሉ። ፍርሒ በልዎ ጉርሒ፣ እንኳዕ ፍረ ተቓውሞ ጥራይ ሃለወ። ሓደ መዓልቲ ዓሰርተ፣ ዕስራን ሚእቲን ክፈሪ’ዩ።”

     ኡፍፍፍፍ….! ቀልቀለይ ኣራጊፈ ኣለኹ። ዕረፍቲ ተሰምዓኒ። ስረይ ዓጢቐ ካብ ሽቓቕ ወጻእኩ። ኣብ ርሱን ዕላል ተጸሚዳ ዝሓደግኩዋ ጉጅለ ተጸንበርኩ። ኣንታ እዚ ሽቓቕ ክጥዕም።

     ሓፋሽ ይንቃሕ! ይወደብ! ይተዓጠቕ! ንስርሒት ሽቓቕ!

 

ዕባይ ኣኽርያ ካብ ፓሪስ
ሕዳር 2016

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0