ሃ/ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ትሕቲ 15 ዓመት፣ ኣብ ሓደ ግጥም 6 ሸቶታት ብምምዝጋብ ሃገራዊ ክብረ ወሰን ሴራ

Radio Erena: 21 August 2019

ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ትሕቲ 15 ዓመት፣ ብ20 ነሓሰ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ፣ ምስ ሱዳን ኣብ ዘካየደቶ ናይ መጻረዩ ናይ ሴካፋ ግጥም፣ 6 ብ 0 ምዕዋታ፣ ዝበዝሐ ዝተመዝገበ ሸቶ ተባሂሉ ሃገራዊ ክብረ ወሰን ሒዙ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ብ16 ነሓሰ ምስ ብሩንዲ ኣብ ዘካየደቶ ናይ መኽፈቲ ግጥም፣ 2 ብ1 እኳ እንተተሳዕረት፣ ምስ ሱዳን ኣብ ካየደቶ ግጥም ግና ሞራል ተጻወቲን ደገፍታን ዝክሕስ ብቅዓትን ዓወትን’ያ ኣንጸባሪቃ።

ጽባሕ ሓሙስ 22 ነሓሰ ድማ ምስታ ንምድብ እትመርሕ ዘላ ኬንያ ወሳኒ ግጥም ክህልዋ’ዩ።

ኤርትራ፣ ሓሙሽተ ሃገራት ካብ ዝሓቖፈ ምድባ፣ 3 ነጥቢን 5ጸብለልታን ብምውህላል ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ክትርከብ እንከላ፣ ኬንያ ድማ ብ7 ነጥቢን 7 ጸብለልታን ነቲ ምድብ ትመርሕ ኣላ።

ኣብ ናይ መኽፈቲ ግጥም፣ ንኤርትራ 2 ብ1 ዝሰዓረት ብሩንዲ ብወገና፣ ከም ናይ ኬንያ ተመሳሳሊ 7 ነጥቢ ከተዋህልል እኳ እንተኸኣለት፣ ብ5 ጸብለልታ ተበሊጻ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ኣብዚ ምድብ’ዚ ዝርከባ፣ ሶማልን ሱዳንን፣ ነጥቢ ከዋህልላ ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣለን፣ ነፍሲ ወከፈን ብ4ን 10ን ዕዳ ተሰኪመን ኣብ መበል ራብዓይን ሓሙሻይን ደረጃታት ይርከባ።

1- ኬንያ 7 ነጥቢ 7 ጸብለልታ
2- ብሩንዲ 7 ነጥቢ 2 ጸብለልታ
3- ኤርትራ 3 ነጥቢ 5 ጸብለልታ
4- ሶማል 0 ነጥቢ 4 ዕዳ
5- ሱዳን 0 ነጥቢ 10 ዕዳ

ስእሊ፣- ካብ ገጻት ፌስቡክ

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0