ሃ/ድሕነትን ጸጥታን ፣ ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታትን ትካላት ህግደፍን ሓድስቲ ተጸናጸንቲ (ናይ እዝኒ) የዋፍር

Radio Erena: 08 February 2017

Ear

ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታትን ትካላት መንግስትን ህግደፍን ኣዋፊርዎ ዝጸንሐ ናይ ስለያ መሓውር ብሓድሽ ይትክኦ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዞም ንመሳርሕቶም ክጸናጸኑን ክስልዩን ብመንግስቲ ዝምልመሉ ዘለዉ ሓድሽቲ ኣባላት፣ ብስም ቤት ትምህርቲ ካድር፣ ናይ ስራሕ ወፍርን መገሻን በብጉጅለ ናብ እምባትካላ፣ ዓላ፣ ናቕፋን ካልኦት ከተማታትን ኤርትራ እናተላኣኹ ስልጠና ይወስዱ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

እቲ መንግስቲ፣ ዜጋታት ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ተኣኻኾቦም ውዳብ ከይፈጥሩ፣ ምስ ናይ ወጻኢ ኣካላት ከይራኸቡን ብኣውርኡ ድማ እቲ ግኑን ኮይኑ ዘሎ ናይ ስደት መደብ ከይህልዎምን ንምጽንጻን፣ በብእዋኑ ኣብ ሚኒስትርታትን ትካላት መንግስትን ክምልምሎም ዝጸንሐ፣ ብልምዲ “ናይ እዚኒ ወይ ኩትሻ” እናተባህሉ ዝጽውዑ ኣባላት ምጽንጻንን ስለያን፣ ዳርጋ ብምሉኦም ብህዝቢ ስለዝተፈልጡን ዝተቓልዑን፣ ሓድሽ መሓውር ስለያ ንምውፋር ሓደሽቲ ኣባላት ኣብ ምምልላም ይርከብ።

እዞም ዝምልመሉ ዘለዉ ሓደሽቲ ኣባላት ምጽንጻንን ስለያን፣ ከም ኣበል ዝኣመሰለ ገንዘባውን ካልእን ረብሓታት እናተዋህቦም ንመሳርሕቶም ክጸናጸኑ ምምራጾም፣ ኣብ መወዳእታ ብህዝቢ ምስ ተቓልዑ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ተጸናጸንቲ ግዳያት ተነጽሎ ከምዝኾኑ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ መሓውር ስለያ ይኹን ካልእ ናይ ጸጥታን ራዕድን ሓይሊ፣ ንድሌት ህዝቢ ክዓግት ሓይሊ ከምዘይብሉ ሕሉፍ ታሪኽ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ኣብነት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

መዓልታዊ 10ታት ኤርትራውያን፣ ንመሓውር ስለያ፣ ጸጥታን ራዕድን መንግስቲ ብምብሳዕ፣ ንዶባት ኤርትራ እናጠሓሱ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምዝሰግሩ ዝፍለጥ’ዩ።

ሓያሎ ኣባላት ስለያን ተጸናጸንትን (ናይ እዝኒ) ተዋፊሮሙለን ካብ ዝርከቡ ትካላት መንግስቲ ሓንቲ ዝኾነት ሚኒስትሪ ዜና፣ እቶም ተጸናጸንቲ ካብ ብዝሒ ህድማ ጋዜጠኛታትን ኣባላት ዜናን ከድሕንዋ ኣይከኣሉን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ውሽጢ ተቓውሞታትን ህዝባዊ ናዕብን ከይነቱግ ካብ ምስጋእ፣ ኣብ መላእ ሃገር ማእለያ ዘይብሎም ኣባላት ስለያን ጸጥታን ኣዋፊሩ ከምዘሎ ብቀጻሊ’ዩ ዝጥቐስ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0