ሃገራዊ ባንክ ስዊስ፣ ኣብ ኤርትራ ዕደና ምስ ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ናይ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ዶላር ብርኪ ከምዝውንን ይግለጽ

ሃገራዊ ባንክ ስዊስ፣ ኣብ ኤርትራ ዕደና ምስ ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ናይ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ዶላር ብርኪ ከምዝውንን ይግለጽ

Radio Erena: 31 July 2017

bisha

ሃገራዊ ባንክ ስዊስ፣ ኣብ ኤርትራ ዕደና ምስ ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ናይ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ዶላር ብርኪ ከምዘለዎ ተገሊጹ።

SP ዝተባህለ ኣብ ንግዲ ዓለም ዘተኩር መርበብ ሓበሬታ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ሃገራዊ ባንክ ስዊስ ኣብ ኔቭሰን ናይ 0.16 ሚእታዊት ብርኪ ክውንን እንከሎ፣ እዚ ድማ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ኣስሚርሉ።

ዙሪክ ካንቶናል ባንክ’ውን ኣብ ኔቭሰን ዝተወሰነ መጠን ብርኪ ከምዘለዎ ዝሓበረ እቲ መርበብ ሓበሬታ፣ ባንክታት ስዊዘርላንድ ኣብዚ ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ዘለወን ኣተኩሮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ይጠቅስ።

 እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፣ ኣብዚ ኣብ ኤርትራ፣ ብኩባንያታት ህንጻ ሰገን ንዝተመደብሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ስራሕ ብምውፋሩ ተኸሲሱ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ከም “ጀኒሰን ኣሶሸትስ” ዝኣመሰሉ ናይ ኣመሪካ ኣውፈርቲ’ውን ናይ ኣስታት 13 ሚልዮን ዶላር ብርኪ ከምዘለዎም ይገልጽ።

ኣብ ቢሻ ዝፈሪ ዝነበረ ወርቂ፣ ብመንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ኣቢሉ ናብ ባንክታት ስዊዘርላንድ ይግዕዝ ምንባሩ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኩባንያ ኔቭሰን፣ ካብዚ ኣብ ቢሻን ከባቢኡን ኣብ ዕደና ወርቅን ካልእ ማዕድናትን ዘካይዶ ዘሎ ዕደናዊ ንጥፈታት ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዘንቀሳቕስ’ዩ ዝንገረሉ።

60 ሚእታዊት ናይቲ ናይ ቢሻ ዕደና ወኒኑ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ዓመታት ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ካብቲ ኩባንያ ከምዝተረከበ ሰነዳት የረጋግጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0