ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ኣንጻር መንግስቲ ኣሜሪካ ክስለፍ’ዩ

Radio Erena: 02 March 2023

ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ኣንጻር መንግስቲ ኣሜሪካ ክስለፍ’ዩ።

ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ንዝኽሪ ምጅማር ኲናት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ምኽንያት ብምግባር፡ ን 18 መጋቢት 2023 ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝግበር ሰልፊ ክሳተፍ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ከም ዝሳተፍኦ ዝተነግረ፡ ኣብ ኣፍደገ ህንጻ ዋይት ሃውስ ክግበር ተመሲቡ ዘሎ ሰልፊ፡ “ሰላም ንዩክሬይን፡ ኣይፋል ንመወዳእታ ኣልቦ ኲናት ኣሜሪካ” ዝብሉ ጭርሖታት ክንጸባረቑ እዮም።

ሓደ ካብቶም ብገዛኢ ሰልፊ ህግደፍ ዝመሓደሩ ውዳበታት ምዃኑ ዝንገረሉ እዚ ሽማግለ፡ ብሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት እናተኣዘዘ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ንመንግስቲ ኤርትራ የሕጉሱ እዮም ዝብሎም፡ ኣንጻር ምዕራባውያን መንግስታት፣ ዝካየዱ ሰልፍታት ከም ዝሳተፍ ይፍለጥ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0