ጸገም ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ገና ይቕጽል

ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመ ዝመጽእ ዘሎ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ፣ ንሆስፒታላት ብኸቢድ ይጸልወን ምህላዉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

    ብፍላይ ክፍልታት መወልዳን፣  መጥባሕቲ ማለት Oን ባንክ ደምን ብተደጋጋሚ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ ግቡእ ንጥፈታቶም ንምስንኻል ይተዓናቐፉ ምህላዎም ናብ ሚኒስተር ጥዕና ኣምና ንርሑሴን ከይተረፉ ጥርዓን ከምዘቕረቡ ተፈሊጡ።

    እንተኾነ እታ ሚኒስተር እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ተደጋጋሚ ምቑራጽ ኤሌክትሪሲቲ ግዝያዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ክፍልታት መጥባሕትን መወልዳንን ብምትዕጽጻፍ ክሰርሑ ጥራይ’ያ መሊሳ።

    ንጠንቒ’ዚ ንንጥፈታት መላእ ሃገር እናልመሰ ዝመጽእ ዘሎ ጉዳይ ኤሌክትሪሲቲ ኣመልኪቱ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ መብርሂ እኳ እንተዘይሃበሉ፣ እቲ ኣውራ ጠንቒ ግና ዋሕዲ ነዳዲ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

    ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ዝቐጸለ ርኡይ ዋሕዲ ጸዓት ከምዘሎን ብሰንኩ ህዝቢ ነተን ካብ ዱኳን ሕድሪ ዝረኽበን ወርሓዊ መቝነን ንምብሳለን ይኹን ንምጥሓነን ይሽገር ምህላዉ ብተደጋጋሚ እዋን ተገሊጹ’ዩ።

    ወፍሪ የተባብዕ ኣለኹ ዝብል ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ኣገልግሎት እቲ መሰረታዊ ባእታ ንወፍሪ ዝኾነ ኤሌክትሪሲቲ ዝኾነ ለውጢ ክህሉ ከምዘይክእል’ዩ ዝግምገም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0