ኤርትራ ዝተሓተ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘለዋ ሃገር’ያ ተባሂሉ

ኤርትራ ዝተሓተ ሰብኣዊ ምዕባለ እተመዝግብ ዘላ ሃገር ምዃና ፕሮግራም ምዕባለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

    እቲ ኣህጉራዊ ትካል ንኩነታት 187 ሃገራት ብምግምጋም ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ፣ ንኤርትራ ኣብ መበል 181 ደረጃ’ዩ ኣቐሚጡዋ።

    ኤርትራ እኹል ሓበሬታ ዘይርከባ ሃገር ደኣ ትኹን እምበር፣ ንሓገዝን ካልእ ልምዓታዊ መደባትን ኣብ ኤርትራ ንጥፈታቶም ይቕጽሉ ካብ ዘለዉ ሒደት ኣህጉራውያን ትካላት ዝኾነ ፕሮግርም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝከኣሎ ዝኣከቦ ሓበሬታ ግና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እታ ዝተሓተ ምዕባለ ዓቕሚ ሰብ ዘለዋ ሃገር ኤርትራ ምዃና ደምዲሙ ኣረጋጊጹ።

    ጎረባብቲ ኤርትራ ዝኾና ሱዳን ኣብ መበል 171፣ ጅቡቲ 164፣ የመን 160፣ ተሰሪዐን ከምዘለዋ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፣ ብደረጃ ዞባ እቲ ዝተሓተ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ዝርኣየሉ ክፍሊ ዓለም ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0