UCI ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ደረጃታት፡ ኤርትራ ብሃገር ቢንያም ግርማይ ድማ ብውልቂ ቀዳማይ ቦታ ሒዞም

Radio Erena: 01 February 2022

ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፡ ማለት ዩ.ሲ.ኣይ. ሎሚ ባሕቲ ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ደረጃታት፡ ኤርትራን ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም INTERMARCHÉ WANTY GOBERT፡ ቢንያም ግርማይን ኣብ መሳልል ሃገራትን ተቐዳደምቲን ኣብ ቀዳማይ ተርታ ተቐሚጦም።

ኤርትራ፣ ድሕሪ 2018 ንመጀመርያ ግዜ ናብ ቀዳማይ ተርታ ክትምለስ ዝኸኣለት ኤርትራ፡ ብ1974 ነጥቢ ብምሓዝ’ያ።

ንኤርትራ ስዒበን ደቡብ ኣፍሪቃ ብ1865.32 ነጥቢ፡ ኣልጀርያ ብ855.80 ነጥቢ ካልኣይትን ሳልሳይትን ተሰሪዐን።

ብውልቂ ቀዳማይ ዝተሰርዐ ቢንያም፣ 877 ነጥቢ ከዋህልል እንከሎ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ርያን ጊቦንስ ብ677.66 ነጥቢ ካልኣይ፡ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣሜሪካዊት ዎርልድ ቱር ቲም EF Education-Easypost፡  መርሃዊ ቅዱስ ድማ 368 ነጥቢ ኣኪቡ።

ተቐዳዳማይ ማሌጅያዊት ኮንቲነንታል ቲም መትከል እዮብ ብወገኑ ብ232 ነጥቢ ኣብ 7ይ ደረጃ ብምቕማጡ: ምስ ቀዳሞት 10 ብሉጻት ንዝተሰርዑ ብዝሒ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ 3 ይገብሮ።

ኣብ ናይዚ ወርሒ መሳልል ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ኤርትራ፣ ተቐዳደምታ ክታበት ኮረና ቫይረስ ክወስዱ ብዘይምኽኣሎም፣ ኣብ 20 ለካቲት ኣብ ዝጅምር ዙር ርዋንዳ 2022 ክትቦክር’ያ።

እዚ ብኩራት እዚ ድማ፣ ንኤርትራ ብደረጃ ሃገር ንተቐደደምቲ ድማ ብውልቂ ዓቢ ሃስያ ከውርደሎም’ዮ።

ኣብዚ ወርሒ ዝካየድ ዙር ርዋንዳ 2022ዝሳተፉ ተቐዳደምቲ፣ ምሉእ ክታበት ኮረና ቫይረስ ክወስዱ፣ ሓደ ካብቲ ዝተቐመጠ ረቛሒታት ሕክምና ምዃኑ፣ ንፕረዚደንት ፈረደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ርዋንዳ፣ ዓብደላ ሙረንዚ ብምጥቃስ ኣሶሸትድ ፕረስ ኣነጺሩ።

ኤርትራ ግና ነዚ ረቛሒታት እዚ ከምዘይተማልእ’ያ ገሊጻ ክብል እቲ ፕረዚደንት ናይቲ ፈደረሽን ኣረጋጊጹ።

 

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0