ሓሙሽተ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ተሰዊረን

Radio Erena: 02 November 2021

ሓሙሽተ ኣባላት ናይ’ታ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ሴካፋ ደቂኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት እትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ኣብ ከተማ ጂንጃ ካብ ዝርከብ መዕረፊ ሆቴለን ከም እተሰወራ ተፈሊጡ።

ሴካፋ፣ ብዛዕባ ምስዋር እተን ኤርትራውያን ተጻወቲ ብዝምልከት ሎሚ ሰሉስ 02 ሕዳር ንፖሊስ ሓቢሩ ኣሎ።

ፖሊስ ኡጋንዳ ነቲ ጉዳይ የጻርዮን ነተን ተሰዊረን ዘለዋ ኤርትራውያን ተጻወቲ ይሃድንን ከም ዘሎ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ኤርትራ ኣብ’ዚ ሽዱሽተ ሃገራት ዝሳተፋሉ ዘለዋ ውድድር፣ ዛጊት ኣብ ዘካየደቶ 2 ግጥማት፣ ብታንዛንያ 1 ብ 0 ብኢትዮጵያ ድማ 5 ብ 0 ተሳዒራ።

================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0