መንግስቲ ኤርትራ ምፍራስ ኣባይቲ ዓድ ቀይሕ ንጽባሕ ሮቡዕ’ውን ክቕጽሎ ምድላዋት የካይድ ኣሎ

መንግስቲ ኤርትራ ምፍራስ ኣባይቲ ዓድ ቀይሕ ንጽባሕ ሮቡዕ’ውን ክቕጽሎ ምድላዋት የካይድ ኣሎ

Radio Erena: 10 March 2015

Adikeyyy

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ዝጀመሮ ምፍራስ ኣባይቲ ጽባሕ’ውን ክቕጽሎ ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ኣረጋጊጾም።

እቲ ብሓሙስ 5 መጋቢት 2015 ዝጀመሮ ምፍራስ ኣባይቲ ዓዲ ቀይሕ ብሰንኪ ዘጋጠመ ተቓውሞ ህዝቢ 20 ኣባይቲ ድሕሪ ምፍራሱ ደው እኳ እንተበለ፣ ጽባሕ ሮቡዕ 11 መጋቢት ግና ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ከተማ ዓዲ ቀይሕ ካብ ሩሑቕ ቦታታት ብመኪና ተጻዒኖም ብዝመጹ ኣማኢት ሰራዊት ከቢቦማ ከም ዘለውን ብሰንኪ እዚ ድማ ህዝቢ እታ ከተማ ኣብ ከቢድ መዋጥር ምህላው’ውን እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሓደ ሓደ ስድራቤታት’ውን ብሓይሊ ምፍራሱ ንዘይተርፎ ኣባይቲ፣ ዚንጎ ዕንጸይትን ካብ ዕንወት እንተድሓኑ ብምባል ባዕላቶም ክቕንጥጥዎ ጀሚሮም ምህላዎም እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ምምሕዳር ከተማ ዓዲ ቀይሕ’ውን ብዝወርድ ዕንወት ተሓታቲ ከምዘይኮነን ነበርቲ መንበሪ ኣባይቶምን ቅድሚ ምፍራሱ ባዕላቶም ዚንጎ፣ ሞራለን ካልእ ንብረትን ክእክቡ ዝሕበር ምልክታ ምልጣፉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ዝበዝሑ ስድራቤታት ግና ናብ ዝኸድዎ’ውን ስለዘይብሎም፣ ዝመጸ ክመጽእ ብዝብል ስጉምቲ ክሳብ’ዚ ሰዓት እዚ ኣብ መንበሪ ቤቶም’ዮም ዘለዉ።

ብቀዳም 7 መጋቢት ሰበስልጣን መንግስቲ ምስ ነበርቲ ዓዲ ቀይሕ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ተፈኻኺሮም ከምዝተፈላለዩ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ህዝቢ ዓዲ ቀይሕ ጽባሕ ትወልዶ ንምርኣይ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ይርከብ።

በዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ መስርሕ ኣስታት 100 ኣባይቲ ክዓኑ ምልክት ተጌሩ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ብሓሙስ 5 መጋቢት ኣብ ዓዲ ቀይሕ ንምፍራስ ኣባይቲ ኣብ ዝተላዕለ ተቓውሞ ካብ ዝቖሰሉ ቆልዓ ሰበይቲ፣ ብከቢድ ተሃሳዩ ሞይቱ’ዩ ዝኸውን ዝተባህለ ቆልዓ፣ ብይህወት ከምዘሎ ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጻ።

ንከብዲ እቲ ቆልዓ በሲዓ ዝኣተወት ጥይት ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሑ ብመጥባሕቲ ከምዘውጽእሉን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዝርከብን’ዩ ዘመልክት ዝበጽሓና ሓበሬታ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0