ኣብ ወሓዚ ኣጥባራ 21 ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥሒሎም

ኣብ ወሓዚ ኣጥባራ 21 ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥሒሎም

Radio Erena: 24 December 2014

atba

ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገረብ ተበጊሶም ብመንገዲ ከሰላ ናብ ውሽጢ ካርቱም ዝወስድ መንገዲ ንምእታው ንወሓዚ ኣጥባራ ብጃልባ ዝሰግሩ ዝነበሩ 21 ኤርትራውያን ከምዝጠሓሉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብቲ መዓስከር ሓቢሮም።

እቶም ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተሓጊዞም ትማሊ 23 ታሕሳስ ለይቲ ካብ መዓስከር ሸገረብ ዝተበግሱ 21 ኤርትራውያን፣ ናብ ከሰላ ንዘእቱ ወሓዚ ብኢድ ብእትጅለብ ንእሽቶ ጃልባ ኣብ ዝሰግርሉ ዝነበሩ እዋን’ዮም ጥሒሎም።

ካብቶም ዝጠሓሉ 21 ኤርትራውያን፣ ናይቶም ሸሞንተ ሬሳ ክርከብ እንከሎ ክልተ ከኣ ብህይወት ድሒኖም ጊርባ ናብ ዝተባህለ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ።

 

እንተኾነ ኣብቲ ወሓዚ ንሓያሎ ሰዓታት ትሒሎም ብምጽንሖም ኩነታቶም ኣብ ሕማቕ ምህላዉ ተሃቢሩ።

ናይቶም ዝተረፉ ሃለዋት ግና ዛጊት ክፍለጥ ኣይከኣለን።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0