ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዕጹው ኣኼባታት ኣካይዱ

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዕጹው ኣኼባታት ኣካይዱ

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ብዝምልከት ዕጹው ኣኼባታት ኣካይዱ።

ብወዲ ፊተውራሪ ዝፍለጥ ብኮለነል መልኣከ ተኽለማርያም ዝተኻየደ ዕጹው ኣኼባ፣ ንውሱናት ሓለፍቲ ናይቲ ሓይሊ ባሕሪ ጥራይ ዘሳተፈ ምንባሩ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልእኹ ምንጭታት ኣገንዝዚቦም።

ኮለነል መልኣከ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘይወግዓዊ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኮይኑ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ምስዚ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ብውሽጢ ውሽጢ ሕቶታት ከለዓዕል ከምዝጸንሐ ጠቒሶም።

ኮ/ል መልኣከ ኣቐዲሙ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ርክባት ከካይድ ከምዝጸንሐ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካሪ፣ ካብቲ ዝነበሮ መዝነት ብወግዒ እኳ እንተዘይትኣልየ፣ ብሰንኪ ሕማም ኣብ ንጡፍ ኣገልግልት ከምዘይጸንሐ’ዩ ዝዝረበሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ተኣሲሩ ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ይጋዋሕ እኳ እንተሎ፣ ሬድዮ ኤረና ከተረጋግጾ ኣይከኣለትን።

ኣዛዚ ደቡባዊ ምብራቕ፣ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ምኽንያቱ ብንጹር ብዘይተፈልጠ ካብ ዝነበሮ መዝነት ድሕሪ ምእላዩ፣ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሖ መዝነት ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣዛዚ ሰራዊት ደቡባዊ ምብራቕ ምንባሩ ነዚ ጸብጻን ዝልኣኹ ወገናት ኣፍሊጦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ባሕሪን ካልእን ዘካየድዎ ምስጢራዊ ስምምዓት፣ ህዝብን ሰራዊትን ሕቶታት ከለዓዕል ጌርዎ ከምዘሎ ብሰፊሑ ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ኣብ ሓይሊ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝተኻየደ ዕጽው ኣኼባታት፣ ኣብ ካልኦት ክፍልታት ሰራዊት ሓይሊ ምድርን ሓይሊ ኣየርን’ውን ክካየድ መደባት ተታሒዝሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ዝጀመረቶ ምስጢራዊ ስምምዓት፣ ነቲ ምስ ናጽነት ኤርትራ ተበታቲኑ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ንምቛሙ ምስ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራትን ዝርርብ ጀሚራ ኣላ።

ኢትዮጵያ ነዚ ገዚፍ መደብ ሰሪዓትሉ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ ኣበይ ከምእተቝሞ ብምስጢር’ያ ሒዛቶ ዘላ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0