Radio Erena: 27 March 2019
ኬንያን ኡጋንዳን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዝምድና ዘተኮረ ዘተ ከካይዳ ምዃነን ተሓቢሩ።
ሮቡዕ 27 መጋቢት ናብ ኬንያ ክኣቱ ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ፕረዚድነት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ጉዳያት ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ክዘራረብ’ዩ።
ክልትኤን ሃገራት፣ ብዋንነት ኣብ ከባቢ ቀላይ ቪክቶርያ እትርከብ ደሴት ሚጊንጎ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ንምፍታሕ ንዝብል እማመ ብመንገዲ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ስምምዕ በጺሐናሉ ኣለዋ።
እቲ እማመ፣ ንምምልካትን ምሕንጻጽን እቲ ዘሰሓሕብ ከባቢ ዘጠቓልል’ዩ።
ፕረዚደንታት ኡጋንዳን ኬንያን ኣብ ርክቦም፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ኡጋንዳን ርዋንዳን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ክዝትዩ’ውን ትጽቢት ኣሎ።
ኡጋንዳ ንተቓወምቲ ርዋንዳ ትሕብሕብ ኣላ ብዝብል መንግስቲ ርዋንዳ፣ ዶባቱ ንንግዳዊ ልውውጥ ዓጽዩ ከምዘሎ ይፍለጥ።
======================
COMMENTS