ፕረዚደንታት ሶማልን ጂቡቲን ርክብ ኣካዪዶም

ፕረዚደንታት ሶማልን ጂቡቲን ርክብ ኣካዪዶም

Radio Erena: 17 March 2019

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፣ ሶማል ኣትዩ።

ፕረዚደንት ገለ ትማሊ 16 መጋቢት ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ናይ ኣቀባብላ ስነስርዓት ከምዘካየዱሉ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ሶማልን ጂቡቲን ዘለወን ዝምድና ዝያዳ ንምሕያል ዝከኣለሉ መንገዲ ንምንዳይ ክልቲኦም መራሕቲ ሃገራት ዘተ ኣካዪዶም።

ፕረዚደንት ገለ፣ ሓድሽ ኤምባሲ ጂቡቲ ኣብ ሞቓድሾ ንምኽፋት ኣብ ዝግበር ጽምብል እውን ክሳተፍ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ጂቡቲ፣ ኣብ ሶማል ጸጥታን ርግኣትን ንምስፋን ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምድጋፍ፣ ወተሃደራታ ካብ ዘዋፈራ ሳልሰይቲ ሃገር እያ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0