ኬንያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክትክተሎ ዝጸንሐት ናይ ቪዛ ፖሊሲ ክትቅይር ከምእትኽእል ተገሊጹ

ኬንያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክትክተሎ ዝጸንሐት ናይ ቪዛ ፖሊሲ ክትቅይር ከምእትኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 04 March 2019

kenyan visa

መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐ ናይ ቪዛ ፖሊሲ ክቕይር ከምዝኽእል ተገሊጹ።

ንዜጋታት ሓያሎ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብዘይ ቪዛ ወይ ድማ ብኦንላይን ብዝርከብ ቪዛ ክኣትዉ እትፈቅድ ኬንያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግና፣ ኣቐዲሞም ካብ ኤምባሲ ኬንያ ቪዛ ክሓቱ ብፍሉይ ክትሓትት ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን፣ ከም ናይ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ፖሊሲ ከምዝነበሮ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ከተማ ናይሮቢ ብዝፈጠሮ መርበብ፣ ንጉጅለታት ሶማል፣ ፊናንስያዊ ምወላን ካልእን ሓገዛት የበርክት ኣሎ ብዝብል ክሲ ካብ 2008 ንደሓር ቀይርዎ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝጀመርኦ ርክብ፣ ምስ ናይ ሶማልን ጅቡቲን ተኣሳሲሩ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣብ 14 ሕዳር 2018 ተላዒሉ’ዩ።

ኣብ ዞባውን ኣህጉራዊን ተነጽሎ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ድሕሪ’ዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ርክብ፣ ብመንገዲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ክራኸብ ክኢሉ ኣሎ።

ኬንያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክትክተሎ ዝጸንሐት ናይ ቪዛ ፖሊሲ ክትቅይር ከምእትኽእል ዝግለጽ ዘሎ ድማ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ዛዚሙ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣብይ ኣሕመድ ብምዃን ናብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ ናይዚ ሳልስቲ ኣጋጣሚ’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ውን ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ኬንያ ምብጻሕ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0