ብሓገዝ መንግስቲ ነርወይ ዝተሃንጸ ኮሌጅ መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ተዓጽዩ

ብሓገዝ መንግስቲ ነርወይ ዝተሃንጸ ኮሌጅ መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ተዓጽዩ

Radio Erena: 04 March 2019

Naval

ኣብ ከተማ ባጽዕ ዝርከብ፣ ብሓገዝ መንግስቲ ነርወይ ዝተሃንጸ ኮሌጅ መሰልጠኒ ሓይሊ ባሕሪ ተዓጽዩ።

እቲ ኣብ ኣካዳሚን ካልእ ዝተፈላለየ ስልጠናታትን ክህብ ዝጸንሐ ኮሌጅ፣ ዝተዓጽወሉ ምኽንያት እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ተማሃሮ ግና ነናብ ገዝኦም ከምዝተፋነዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ኮሌጅ መዓስ ክኽፈት ምዃኑ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ይኹን’ምበር ምስ ኢትዮጵያ ብዝተጀመረ ምስጢራዊ ስምምዓት፣ ሰልጠንቲ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናብቲ ቦታ ክመጽኡ’ዮም ዝብል ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ይስማዕ ኣሎ።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ገደም ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ንኢትዮጵያውያን ንምቕባል ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ካብ 1991 ኣትሒዙ ዝተበታተነ ሓይሊ ባሕራ ዳግም ንምቛም፣ ካብ መንግስታት ፈረንሳ፣ ኬንያ፣ ጅቡቲ፣ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ሓገዝ ትሓትት ከምዘላ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0