ኣብ ጊንዳዕ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፣ ንህሉው ኩነታት ህጹጽ ረዲኤትን መጥፋእቲ ሓውን ኤርትራ ዘቃልዐ ምንባሩ ተገሊጹ

ኣብ ጊንዳዕ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፣ ንህሉው ኩነታት ህጹጽ ረዲኤትን መጥፋእቲ ሓውን ኤርትራ ዘቃልዐ ምንባሩ ተገሊጹ

Radio Erena: May 13, 2014

Fire Brigade

ኣብ ጊንዳዕ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ነርስ ዘጋጠመ ባርዕ፣ ሰኣን መጥፋእቲ ሓዊ ማለት ፒምፖሪ ኣብ ንብረት ከቢድ ዕንወት ምውራዱ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣቖጢዑ።

እቲ ባርዕ ብኡ ንብኡ ኣብ ቁጽጽር ክውዕል ዝኽእል እኳ እንተነበረ፣ መራሕ መኪና መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ዝተደልየሉ እዋን ክርከብ ብዘይምኽኣሉ ከምኡ ድማ እታ ኣብቲ ከተማ ዝነበረት መኪና መጥፍኢት ሓዊ፣ ማይ ዘይብላ ብምጽንሓ፣ እቲ ባርዕ ኣብ ንብረት ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ’ዩ ተገሊጹ።

ህዝቢ’ቲ ከባቢ ነቲ ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ዝጸንሐ ባርዕ ብሳንኬሎታት ማይን ክሻን ንምጥፍኡ ዘካየዶ ጻዕሪ’ውን ከምቲ ዝድለ ከድምዕ ከምዘይክኣለ’ዩ ተሓቢሩ።

 

እቲ ብ8 ግንቦት ረፋድ ዘጋጠመ ባርዕ፣ ኩነታት ህጹጽ ረዲኤትን መጥፋእቲ ሓውን ኤርትራ ኣብ ዘየተኣማምን ደረጃ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ሓደጋ ምንባሩ’ውን ህዝቢ ንማዕከናት ዜና መንግስቲ ከይተረፈ ነቐፌታታቱ የውሕዝ ኣሎ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ማይ ኣባሻውል ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ’ውን ተመሳሳሊ ኩነታት ኣጋጢሙ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0