ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ናይ ገዛ ጸሎት ዝነበሩ 21 ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ቀይዲ የእትዮም

ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ናይ ገዛ ጸሎት ዝነበሩ 21 ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ቀይዲ የእትዮም

Radio Erena: May 12, 2014

Ermi

ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢ ጣባ ናይ ገዛ ጸሎት ዝነበሩ ኣስታት 21 ኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና ትማሊ ሰንበት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ምንጭታት ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ስቪል ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን፣ ነቲ ኣቐዲሙ ብጥቖማ ዝተሓበሮም መንበሪ ገዛ ክከታተልዎ ድሕሪ ምጽናሕ፣ መብዛሕቶም እቶም ኣመንቲ ረፋድ ከባቢ ሰዓት 10 በብሓደ ናብቲ ገዛ ኣብ ዝኣተውሉ፣ ኣኽቢቦም ከምዝሓዝዎም እቲ ሓበሬታ ይጠቕስ።

እቶም ብውሕዱ 7 ደቂንስትዮ ዝርከብዎም 21 ኤርትራውያን ኣመንቲ ጴንጤቖስጣል ክርስትና ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ናብ ራብዓይ መደበር ፖሊስ ከምዝተወስዱ ጽንጽንታታ እኳ እንተሎ፣ ብልክቕ ተቐይዶምሉ ዘለዎ ቦታ ንግዜኡ ከነረጋግጾ ኣይከኣልናን።

 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ካብ 26 መጋቢት ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ንዝርከቡ ወዶም ንፕረዚደንት ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ቀሺ ዮሴፍ ኣርኣያ ዝርከቦም ሓሙሽተ መንእሰያት ወንጌላውያን ኣባላት እታ ቤተክርስትያን፣ ንኽፍትሑ ብኣባላት እታ ቤተ ክርስትያንን ስድራቤታቶም ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ከምዘይተዓወተ ተፈሊጡ።

ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ በቲ ንካልእ እምነታት ዝኣገደን ኣባላቱ ዝኣስርን መንግስቲ ኤርትራ ከም ቅብልቲ ሕጋዊት ቤተ ክርስትያን ትቑጸር እኳ እንተኾነት፣ እዞም ሓሙሽተ መንእሰያትን ኣባላት እታ ቤተ ክርስትያን ዝተኣስርሉ ምኽንያት ኣብታ ቤት ክርስትያን ኣዘራራቢ ኮይኑ ይርከብ።

እቶም ሰለስተ ጴጥሮስ ቀሺ ዮሴፍ፣ ኤርምያስ ሓድጉ፣ ኣሮን ምሕረቱን ክብሃሉ እንከለዉ ኣስማት ናይቶም ክልተ ወንጌላውያን ግና ዛጊት ከነረጋግጾ ኣይከኣልናን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣመንቲ ዝተፈላለያ እምነተት ክርስትናን እስልምናን በብዝተፈላለየ ክስታት በብእዋኑ ክኣስር ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0