ኣማሓዳሪ ምብራቕ ሱዳን-ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝውጽዕ ተቓውሞ ህዝቢ ተኻይዱ

ኣማሓዳሪ ምብራቕ ሱዳን-ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝውጽዕ ተቓውሞ ህዝቢ ተኻይዱ

Radio Erena: May 13, 2014

gedarf

ኣምሓዳሪ ምብራቕ ሱዳን ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ተቓውሞ ይካየድ ምህላዉ ምንጭታት ዜና ካብቲ ቦታ ሓቢረን።

እቲ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳን ብምዕባለን ዝተነጸለን ህዝባዊ ኣገልግሎታት ዘይብሉን ካብ ዝብሃል ዞባታት ሱዳን ብቐዳማይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

ድሕሪ’ቲ ምስ ተቓወምቲ እቲ ዞባ ኣብ 2005 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ስምምዕ፣ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ዞባ ፍሉይ ቆላሕታ ብምግባር ናይ ልምዓትን ምዕባለን ፕሮጀክታት ከተኣታትወሉ ምዃኑ ተመባጺዑ ምንባሩ ይዝከር።

 

እንተኾነ ነበርቲ እቲ ዞባ፣ ቆላሕታ ከምዘይተገብረሉ ብምዝኽኻር፣ ካብ ግዜን ናብ ግዜ ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ተቓውሞታቶም ኣብ ምሕያል ይርከቡ።

ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ድማ፣ ኣብቲ ዞባ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ንኽመሓየሽ ብዙሕ ጻዕርታት ኣይገበረን ንዝበልዎ ኣመሓዳሪ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ መሓመድ ጣህር ኤላ ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፍታት ከምዘተኻየደ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢታት ገዳርፍ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ህኽምናዊ ኣገልግሎታትን ዘሎ ጸገማት ክፍታሕ’ውን ጸዊዖም።

ብዘይካ’ዚ ድማ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ፣ ናይ ሓደ ሚልዮን ክታም ኣብ ምእካብ ይነጥፉ ኣለዉ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0