ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ጅቡቲ ናብ ቻይና ይበጽሕ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ጅቡቲ ናብ ቻይና ይበጽሕ

Radio Erena: 22 February 2019

djibouti

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ጅቡቲ ኣብ ቻይና ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

እቲ ልኡኽ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ዋንግ ኪሻንን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ፣ ኣብ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዘድሃበ ሓያሎ ዝርርባት ኣካይዱ።

ቻይና፣ ንዕብለላ ናይተን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰራዊተን ዘዋፈራ ሃገራት ምዕራብ ዝደላደል፣ ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣቝማ ከምዘላ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ቻይና፣ ብሓገዝን ልቃሕን ንመንግስቲ ጅቡቲ ብዘበርከተቶ ሓገዛት፣ ኣብታ ሃገር ንዝካየዱ ዘለዉ ህንጻዊ መደባት ዓብሊላ ትርከብ።

ጅቡቲ ጠመትኣ ናብ ቻይና ምዝዛዋ ዘሻቐለን ከም ኣመሪካን ፈረንሳን ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ናብዛ ሃገር ዳግማይ ጠመተ ንምክያድ መደባት ሰሪዐን ኣለዋ።

ከም ኣብነት ናይዚ፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ናብዛ ሃገር ክበጽሕ’ዩ።

ስትራቴጅያዊ ኣቀማምጣ እትውንን ጅቡቲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓሙሽተ ንዝኾና ሃገራት ዓለም ኣብ ገማግም ባሕራ መዓስከራ ከቑማ ፈቒዳ ኣላ።

ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ጅቡቲ፣ ካብዘን ሃገራት ሓገዝ ዝግበረላ እኳ እንተኾነ፣ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝባ ካብ ድኽነት ከተገላግል ኣይከኣለትን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0