ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ኤርትራን ጅቡቲን ክዝቲ’ዩ

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ኤርትራን ጅቡቲን ክዝቲ’ዩ

Radio Erena: 22 February 2019

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ሎሚ 22 ለካቲት ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ኤርትራን ጅቡቲን ክዝቲ’ዩ።

እቲ ብሓላፊት ጉዳያት ፖለቲካን ምህናጽ ሰላምን ሕቡራት ሃገራት፣ ሮዝሜሪ ዲካርሎ ዝምራሕ ኣኼባ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 14 ሕዳር 2018 ዝተላዕለ እገዳ ኤርትራ ንዘሎ ምዕባለታት ክመክር’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ፣ ንትሽዓት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዝነበረ እገዳ ድሕሪ ምልዓሉ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዝህሉ ምዕባለታት እትከታተል ኮሚተ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ጸብጻብ ከተቕርበሉ’ያ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ብዛዕቲ ኣብ መንጎ ሃገሩን ኤርትራን ዘሎ ዘይተፈትሐ ጉዳያት ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክዘራረብ ቅሩብ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ቴሌቪዥን ፈረንሳ 24 ዝገበሮ ቃል መጠይቕ ገሊጹ’ዩ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ፕረዚደንት ኢያይያስ ፈላሚ ርክብ ዘካየደ ፕረዚደንት ገለ፣ ዛጊት ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ኣይገበርናን፣ እንተኾነ ኣብ ቀረባ ብእንገብሮ ርክብ ዝጸንሓና ምትፍናን ክፍታሕ’ዩ ዝብል ልዑል እምነት ከምዘለዎ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ ፕረዚደንታት ኤርትራን ጅቡትን ዝራኸብሉ ዕለትን ቦታን ኣይሓበረን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0