ኬንያን ሶማልያን፣ ብሰንኪ ዋንነት ክሊ ማይ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ  ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ይቐርብ

ኬንያን ሶማልያን፣ ብሰንኪ ዋንነት ክሊ ማይ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ይቐርብ

Radio Erena: 20 February 2019

ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልያን ብሰንኪ ዋንነት ክሊ ማይ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብዘተ ክፍታሕ ከምዝኽእል፣ ፖለቲከኛታት ክልቲኤን ሃገራት ይገልጹ።

ምትፍናን ክልቲኤን ሃገራት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብኢሱ ዘሎ፣ መንግስቲ ሶማል፣ ዋንነት ኬንያ ኣብ ዝኾነ ክሊ ማይ፣ ኣህጉራውያን ትካላት ዕደና ጋዝን ነዳዲን ዳህሳስ ከካይዳ ፈቒዱ ክብል ዝኸስስ ዘሎ መንግስቲ ኬንያ፣ ንኣምባሳደር ሶማል ካብ ሃገሩ ብምስጓግ ኣብ ሞቛድሾ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ድሕሪ ምስሓቡ’ዩ።

እቲ ካብ 2014 ኣትሒዙ ዘሰሓሕብ ዘሎ ክሊ ማይ፣ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ክወሃቦ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ይኹን’ምበር፣ መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ኣስታት 100 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍን ቦታ፣ ሉኣላዊ ክፋል ሃገሩ ምዃኑ ብምጥቃስ መንግስቲ ሶማል ኣብቲ ከባቢ ዘካይዶ ዘሎ ምትእትታው ብትሪ ኮኒኑ።

መንግስቲ ሶማል ብወገኑ፣ መንግስቲ ኬንያ ወሲድዎ ዘሎ ኣምባሳደር ሶማል ናይ ምስጓግን ኣምባሳደር ኬንያ ናይ ምስሓብን ስጉምቲ፣ “ዘጣዕስ” ክብል ነቒፍዎ።

እዚ ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልያን ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ፣ ነቲ ኣብቲ ዞባ ተቐልቒሉ ዘሎ ተስፋታት ዘጸልምት ከይከውን ሓያሎ ተንተንቲ ስግኣቶም ይገልጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ምስዚ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ካብ ኬንያ ናብ ሶማል ዝኣቱ ዝነበረ ጫት ደው ኢሉ፣ ካብ ኢትዮጵያ ጥራይ ኮይኑ ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ጠቒሰን።

ሶማል፣ ካብ ኬንያ ሚልዮናት ዶላር ዝግመት ጫት ከምእተእቱ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0