ኢትዮጵያ ተሰናኺሉ ዝጸንሐ ምህናጽ ዲጋ ሚለንዮም ንምቅልጣፍ፣  ምስ ቻይና ሓድሽ ውዕላት ተኸቲሙ

ኢትዮጵያ ተሰናኺሉ ዝጸንሐ ምህናጽ ዲጋ ሚለንዮም ንምቅልጣፍ፣ ምስ ቻይና ሓድሽ ውዕላት ተኸቲሙ

Radio Erena: 20 February 2019

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናህሩ ተሰናኺሉ ዝጸንሐ ምህናጽ ዲጋ ሚለንዮም ንምቅልጣፍ ምስ ቻይና ሓድሽ ውዕላት ከምዝኸተመ ተገሊጹ።

ነቲ ዲጋ ናይ ምህናጽ ፕሮጀክት ዝውንን በዓል መዚ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ገዙባ ምስ ዝተባህለ መንግስታዊ ትካላ ቻይና ናይ 40 ሚልዪን ዶላር ውዕል ከምዝገበረ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ 2020 ኣገልግሎት ክጅምር ትጽቢት ዝግበረሉ ዲጋ ሚለንዮም፣ ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ናይ ለውጢ መድረኽ ተሰናኺሉ’ዩ ጸኒሑ።

ነቲ ፕሮጀክት ናይውቲ ኣብ ምቕራብ ዝዋሳእ ዝነበረ ክፍሊ ምህንድስና እታ ሃገር ሜተክ፣ ሓለፍቱ ብብልሽውና ተኸሲሶም ኣብ ማእሰርቲ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ብፍላይ ምስ ሞት ዋና ኣካይዲ ‘ቲ ፕሮጀክት ኢንጅነር ስመኘው በቐለ፣ እቲ ዓቢ ተስፋ ዝተገብረሉ ዲጋ ናበይ ገጹ’ዩ ንሓያሎ ኢትዮጵያውያን ኣሻቒሉ’ዩ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0