መሰል ሰራሕተኛታት ኣብ ዘይክበረላ ኤርትራ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ተዘኪሩ

መሰል ሰራሕተኛታት ኣብ ዘይክበረላ ኤርትራ፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ተዘኪሩ

Radio Erena: May 2, 2014

Workers Right

ሓደ ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት መሰል ሰራሕተኛታት ንምጥባቕ ብዝውጽዑ ሰለማዊ ሰልፍታትን ካልእ ንጥፈታትን ብደረጃ ዓለም ትማሊ ተጸንቢሉ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንሕግታት ዕዮን መሰል ሰራሕተኛታትን ዝጥሕስ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ፣ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣህጉራዊ መዓልታት ሰራሕተኛታት ንስለ ጽምብል ተዘኪሩ ውዒሉ።

ኣብ ኤርትራ እቲ ዝበዝሐ ዓያዩ ሓይሊ ሰብ፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ተጸሚዱ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቶም ወግዓዊ ደሞዝ ዘለዎም ሰራሕተኛታት’ውን ናይ ደሞዝ ምትዕርራይ ከይተገብረሎምን መሰል ማሕበራዊ ድሕነት ማለት ሶሻል ሰኩሪቲ ከይረኸቡን ን10ታት ዓመታት ይቕጽሉ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

 

መሰል ሰራሕተኛታት ኣብ ዘይክበረላ ኤርትራ፣ እቲ ብደረጃ ዓለም ንሰራሕተኛታት ኣገደስቲ ዝኾነ ከም መልዕሎ ወይ ጥሮታን ዝኣመሰለ ጉዳያት ማሕበራዊ ድሕነት ማለት ሶሻል ሰኩሪቲ ኣይፍለጥን’ዩ።

እቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ’ውን ዝነበረ ሓደ ካብ ኣውራ መሰላ ሰራሕተኛታት ዝኾነ ጥሮታን ካልእ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ረብሓታታ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ከም ኣርእስቲ’ውን ተላዒሉ ኣይፈልጥን’ዩ።

ዕድመ ዝደፍኡ ወይ ድማ ብሕማምን ካልእ ምኽንያታትን ስራሕ ከቛርጹ ዝግደዱ ዜጋታት፣ ዋላ’ውን ነዊሕ ዓመታት ዝሰርሑ እንተኾይኖም ብዘይዝኾነ ጥሮታን ካልእ ረብሓታትን ማሕበራዊ ድሕነትን ስለዝፋነዉ፣ ኣብ ከቢድ ጸገም ክወድቑ ምርኣይ ንቡር’ዩ።

እቲ ነዚ መሰላት እዚ ክጣበቕ ዝግብኦ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ሃኮሰአ ድማ፣ ከም ጥብቖ ህግደፍ መጋበርያ ፖለቲካ ጥራይ እንተዘይኮኑ ካልእ ንሰራሕተኛታት ዘርብሕ ዕዮ ከምዘይብሉ’ዩ ዝንቐፍ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0