ፕረዚደንት ናይጀርያ፣ ድሕሪ ሞቱ ንዕኡ ብዝመስል ሱዳናዊ’ዩ ተተኪኡ ንዝብል ወረ ነጺግዎ

ፕረዚደንት ናይጀርያ፣ ድሕሪ ሞቱ ንዕኡ ብዝመስል ሱዳናዊ’ዩ ተተኪኡ ንዝብል ወረ ነጺግዎ

Radio Erena: 04 December 2018

buhariፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመድ ቡሃሪ፣ ድሕሪ ሞቱ ንዕኡ ብዝስል ሱዳናዊ’ዩ ተተኪኡ ዝብል ወረ፣ ‘ሓሶት’ዩ’ ክብል ወግዓዊ መግለጺ ሂቡሉ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ መግለጺ ክህብ ዝተገደደ፣ ማዕከናት ዜናን ህዝብን ናይጀርያ ነቲ ወረ ኣብ ዝቐባበሉሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

ብዘይተፈልጠ ሕማም ብጽኑዕ ተሰኒፉ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቑቡ ዝነበረ ፕረዚደንት ቡሃሪ፣ ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ’ዩ እቲ ወረ ተጋዊሑ።

ሓደ ሓደ ፖለቲከኛታት ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ’ውን፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ለንደን ከምዝሞተ ብምሕባር፣ ንዕኡ ብዝመስል፣ ጂብሪል ዝተባህለ ሱዳናዊ ከምዝተሰነዐ ይጠቕሱ።

እዚ ኣብ ናይጀርያ ዝጋዋሕ ዘሎ ወረ፣ ነቲ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ይገልጹ።

እቲ ዝጋዋሕ ዘሎ ወረ፣ ፕረዚደንት ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ብሰንኪ ሕማም ንሓያሎ ኣዋርሕ ካብ ቤት ጽሕፈቱ እኳ እንተተኣልየ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ንህዝቢ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክህብ ብዘይምኽኣሉ ዝሰዓበ ምዃኑ’ውን እቶም ተንተንቲ የረድኡ።

ሳዕቤን ናይዚ ዝጋዋሕ ዘሎ ወረ ዝተረድአ ፕረዚደንት ቡሃሪ፣ ኣብ ፖላንድ ምስ ናይጀርያውያን ዘካየዶ ዘተ ብቪድዮ ብምስናይ፣ “እመኑኒ’ ኣነ’የ፣ ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመድ ቡሃሪ” ክብል ብሰንበት 2 ታሕሳስ ኣብ ቲዊተር ክዝርግሕ ተገዲዱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0