እስራኤል፣ ብቅትለት ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ክህደን ዝጸንሐ መንእሰያት ተታሒዙ

እስራኤል፣ ብቅትለት ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ክህደን ዝጸንሐ መንእሰያት ተታሒዙ

Radio Erena; 29 November 2018

Sylvana

ኣብ እስራኤል፣ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ብቅትለት ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ቆልዓ ክህደን ዝጸንሐ፣ ተስፋብርሃን ተስፋጽዮን ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ተታሒዙ።

እቲ መጻምድ’ቲ ኣዲኣ ምዃኑ ዝተንግረሉ ተስፋብርሃን፣ ነታ ሲልቫና ጸጋይ ዝተባህለት ጓል 12 ዓመት ቆልዓ፣ ብሰኑይ 26 ሕዳር ድሕሪ ምቕታል ከምዝተሰወረ’ዩ ክግጽ ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ንፖሊስ እስራኤል ብምጥቃስ ታይምስ ኦፍ እስራኤል ሓቢራ።

ሲልቫና ጸጋይ፣ ወላዲታ ኣብ ስራሕ ስለእትውዕል፣ መጻምድቲ ኣዲኣ ዝነበረ ተስፋብርሃን ብተደጋጋሚ የፈራርሓ ከምዝነበረን፣ ክልተ መዓልታት ቅድሚ ሞታ ናብ ፖሊስ እስራኤል ብምድዋል ሓቢራ ምንባራ ዝተፈላለዩ ወገናት የመልክቱ።

እንተኾነ ፖሊስ እስራኤል፣ ንጻውዒት እታ ቆልዓ ህጹጽ ግብረ መልሲ ብዘይምሃቡ፣ ኣብ መወዳእታ ግዳይ ኮይና ኣላ።

ዘስካሕክሕ ቅትለት ናይዛ ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት፣ ኣብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣሰንቢዱ ይርከብ።

ወላዲ ናይቲ ቅትለት ፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ ሰብ፣ ንሓንቲ ካብ ማዕከናት ዜና እስራኤል ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ ብሞት እታ ቆልዓ ኣዝዮም ከምዝሓዘኑ ብምጥቓስ፣ ወዶም ነዚ እከይ ተግባር እዚ ፈጺሙ ካብ ዝርእዩ ሞት ከምዝምነዩ ገሊጾም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0