ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክካየድ ዝጸንሐ ፍኑው ምልውዋጥ ዕዳጋ፣ ሕጋዊ መልክዕ ዘትሕዝ ሕጊ ይንደፍ

ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክካየድ ዝጸንሐ ፍኑው ምልውዋጥ ዕዳጋ፣ ሕጋዊ መልክዕ ዘትሕዝ ሕጊ ይንደፍ

Radio Erena: 04 November 2018

minster adanech abebeኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክካየድ ዝጸንሐ ፍኑው ናይ ዕዳጋ ምልውዋጥ ሕጋዊ መልክዕ ዘትሕዝ ሕጊ ይንደፍ ከምዘሎ፣ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ገሊጾም።

ሚኒስተር ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ኢትዮጵያ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበበ፣ ንማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ነቲ ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመልክዕ ንግዲ ዝመላለስ ዘሎ ኣቑሑ፣ ግቡእ ግብርን ቀረጽን ክትምነየሉ ምዃኑ ኣብሪሃ።

ንሳ ኣብ መግለጺኣ፣ እቲ ዝውሰን ናይ ቀረጽ ደረጃ ምስ ናይ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዝመሳሰል ከምዝኸውን ሓቢራ።

ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ምልውዋጥ ንግዲ ዝነድፉ፣ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲን፣ ዞባዊ መንግስቲ ትግራይን ዝተዋጽአት ኮሚቴ ኣብ ከባቢ ዶባት ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ብምጽናዕ ድሮ ስርሓ ጀሚራ ከምዘላ ይግለጽ።

እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝውዕል፣ ነዚ ብፍኑው ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስ ሰብን ንብረትን ንምክትታል ክጥዕም፣ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ካብ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ፣ ክሳብ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ጥራይ ክፉት ክኸውን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ፣ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ይገልጹ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0