ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ኣንቢሩዎ ዘሎ ማዕቀብ ከልዕሎ ምድላዋት ይገብር

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ኣንቢሩዎ ዘሎ ማዕቀብ ከልዕሎ ምድላዋት ይገብር

Radio Erena: 04 November 2018

sc on eritrea2ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ኣንቢሩዎ ዘሎ ማዕቀብ ከልዕሎ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ብብሪጣንያ ተዳልዩ ዝሓለፈ ሓሙስ ናብ ኣባል ሃገራት ከምዝተዘርገሐ ዝግለጽ ዘሎ እማመ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተበዪኑ ዝነበረ ናይ ንብረት ምድስካል፣ ናይ መገሻ ምኽልካል ዘጠቓለለ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዕለት 14 ሕዳር ድምጺ ክህበሉ ትጽቢት ከምዘሎ የመልክት።

ኣቐድም ኣቢሉ ተመሳሳሊ እማመ ቀሪቡ ከምዝነበረ ዝሓበሩ ዲፕሎማስያዊያን ምጭታት፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ መንግስቲ ኤርትራ ስርዓቱ ክሳብ ዘመሓይሽ እቲ ማዕቀብ ክጸንሕ ዝብል መርገጺ’ዩ ኔሩወን።

እንተኾነ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ጆን ቦልተን፣ ብዘካየዶ ዲፕሎማስያዊ ምትእትታው፣ ኣመሪካ ካብቲ ዝጸንሓ መርገጺ ከምዝቐየረት ይግለጽ።

ጀርመን እትርከበን ገለ ሃገራት ከኣ፣ እቲ ማዕቀብ ዝለዓል ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈጸመ ዕርቀ-ሰላም ንምድጋፍ ከም ሰናይ ምንዮት እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘቤታዊ ዕዮኡ ገና ዝኾነ ምምሕያሽ ስለዘየርኣየ፣ ሰበስልጣናቱ ኣብ መዝገብ እገዳ ክጸንሑ ክጠልባ ጸኒሐን’የን።

ከምዝዝከር፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኣቐዲሞም ዝተጸንዑ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ገንዘቦም ክድስክል፣ ናይ መገሻን ካልእ ውልቃዊ ንብረቶም ዘጠቓለለ ማዕቀብ ኣንቢሩ’ዩ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0