ጀርመን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ብሞያ ንምስልጣን መደብ ትሕንጽጽ

ጀርመን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ብሞያ ንምስልጣን መደብ ትሕንጽጽ

Radio Erena: 30 October 2018

Germany invመንግስቲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ናይ ሞያ ስልጠና ንምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ካብ 17 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ዘሎ መደብ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢታት ኣበርከቲ ኣካላት ሕብረተሰብ ክኾኑ ዝዓለመ’ዩ።

እዚ ብምወላ መንግስቲ ጀርመን ጀሚሩ ዘሎ፣ ናብ ስደተኛታትን ኣዕቑብዎም ዘሎ ሕብረተሰብን ዝቐንዐ ፕሮጀክት ሞያዊ ስልጠናታት ንኣርባዕተ ዓመት ዝጸንሕ ኮይኑ፣ ኣስታት 1500 ሰባት ተጠቐምቲ ክኾኑ ትጽቢት ይግበር።

መንግስቲ ጀርመን ኣቐዲሙ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ሞያዊ ስልጠና ንምሃብ ዝዓለመ ናይ ኣስታት 400 ሚልዮን ኤውሮ ስምምዕ ምኽታሙ ኣይርሳዕን።

ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ዝበዝሐ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ክሕዙ እንከለዉ፣ ዜጋታት ኤርትራ ከኣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ዮም ዝስርዑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፈረንሳን ጀርመንን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

ንሱ ኣብ ዑደቱ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘሎ ደሞክራስያዊ ለውጥን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎ ኣበርክቶን፣ ወፍርን፣ ልምዓታዊ ሓገዝን ከምኡ ድማ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ምስ መራሕቲ እዘን ሃገራት ክዘራረብ’ዩ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0