ሱዳን ምስ ኤርትራ ሻሕኪሩ ዝጸንሐ ዝምድንኣ ከተመሓይሽ ምዃና ተገሊጹ

ሱዳን ምስ ኤርትራ ሻሕኪሩ ዝጸንሐ ዝምድንኣ ከተመሓይሽ ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 30 October 2018

albeshir_iseyasመንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ሻሕኪሩ ዝጸንሐ ዝምድና ከመሓይሽ ምዃኑ ንመንግስታዊ መግለጺ እታ ሃገር ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ነቲ ዝምድና ንምምሕያሽ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ምስ ፕርዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክራኸብ መደብ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ክልቲኦም መራሕቲ ዝራኸብሉ ዕለትን ቦታን ኣይተነጸረን።

ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት ሱዳን ፈይሰል ሓሰን ኢብራሂም ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ኣስመራ ከምርሕ ምዃኑ ዝሓበረት ጋዜጣ ኣል መጋር ብወገና፣ ድሕሪ ዝተኻየደ ዞባዊ ጻዕርትትታት ሱዳን ምስ ኤርትራ ዝምድንኣ ንምምሕያሽ ተበግሶ ትወስድ ከምዘላ ገሊጻ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ኤርትራ ዝምድንኡ ከመሓይሽ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ፣ ፕረዚደንት ግብጺ ኣብ ካርቱም ዘካየዶ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሙ ድሕሪ ምምላሱ’ዩ።

ሱዳን፣ ግብጽን ኤርትራን ስግኣት ይፈጥራላ ከምዘለዋ ብምጥቃስ፣ ካብ መጀመርያ ወርሓት ናይዚ ዓመት’ዚ ምስ ኤርትራ ዘዋስና ዶባት ክትዓጹ ከምዝወሰነት ኣይርሳዕን።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0