እስራኤል፣ ስደተኛታት ብሓገዝ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እትህብ ክሊኒክ ክትዕጾ’ያ

እስራኤል፣ ስደተኛታት ብሓገዝ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እትህብ ክሊኒክ ክትዕጾ’ያ

Radio Erena: 29 October 2018

Israel Clinic

ኣብ እስራኤል፣ ደቡባዊ ከተማ ቴልኣቪቭ እትርከብ፣ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብሓገዝ ፍሉይ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ክትህብ ዝጸንሐት ክሊኒክ ክትዕጾ ምዃና ሃረጽ ሓቢሩ።

እታ ብወለንተኛታት ሰብ ሞያ ጥዕና ክትካየድ ዝጸንሐት ‘ተረም’ ዝተሰምየት ክሊኒክ ትዕጸወሉ ዘላ ምኽንያት፣ ሚኒስትሪ ጥዕና እስራኤል ዝህባ ዝነበረ ምወላ ደው ከብሎ ብምውሳኑ’ያ።

ምዕጻው እዛ ብስማዊ ክፍሊት፣ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ክትህብ ዝጸንሐት ክሊኒክ፣ እኹል ኣታዊ ንዘይብሎም ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናይ መናብብሮን ጥዕናን ጸቕጢ ዝፈጥር’ዩ።

ኣብዛ ክሊኒክ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ዝረኽቡ ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ኣብተን ብብዙሕ ክፍሊት ዝሓታ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ሕክምና ክኸዱ ክግደዱ’ዮም።

ፍሉይ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ብዝህቡ ወለንተኛታት ሓካይም ኣብ 2010 ዝተመስረተት ህዝባዊ ክሊኒክ ‘ተረም’ ብሰንኪ ስእነት ምወላ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክትዕጾ ምዃና እኳ እንተተሓበረ፣ ኣብ ተመሳሳሊህንጻ ዝርከብ፣ ህጹጽ ሕክምናን ቀዳማይ ረዲኤትን ኣብ ምሃብ ጥራይ ዝተሓጽረ ክፋላ ግና ክቅጽል ምዃኑ ጸብጻብ ሃረጽ የመልክት።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ 35 ሽሕ ስደተኛታት፣ ናይ ቁጠባ፣ ትምህርቲ፣ መነባብሮን ጥዕናን ውሕስነት ብምኽላእ፣ ካብታ ሃገር ክወጹ ንምግዳዶም ይሰርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0