ወከልቲ ኣብ ዶባት ዝርከባ ዓድታት ትግራይ ናብ ዓድታት ኤርትራ ምብጻሕ ይቅጽሉ

ወከልቲ ኣብ ዶባት ዝርከባ ዓድታት ትግራይ ናብ ዓድታት ኤርትራ ምብጻሕ ይቅጽሉ

Radio Erena: 31 August 2018

Omhajer

ከም መቐጸልታ ናይቲ ነበርቲ ኣብ ዶባት ናይ ዝርከባ ዓድታት ትግራይ ናብ ዶባት ዝርከብ ዓድታት ኤርትራ ዘካይድዎ ዘለዎ ምብጻሕ፣ ነበርቲ ሑመራ ብ30 ነሓሰ ናብ ኦምሓጀር ከምዝበጽሑ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን።

እቶም ብመራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ወለድን መንእሰያትን ዝተወከሉ ኣስታት 50 ነበርቲ ሑመራ፣ ናይ ተከዘ ድልድል ብምስጋር ናብ ኦምሓጀር ኣብ ዝኣተውሉ ፣ ምስቲ ወከልቲ ሰራዊት ኤርትራን ሓደ ሓደ ነበርትን ከምዝተራኸቡ’ዩ ተገሊጹ።

ወከልቲ ኣብ ዶባት ዝርከባ ዓድታት ትግራይ ናብተን ኣብ ዶባት ዝርከባ ዓድታት ኤርትራ ዝበጽሑ ዘለዉ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝተኻየደ ኵናት ተበቲኹ ዝጸንሐ ርክብ ናይቲ ብወለዶ፣ ብደም፣ ታሪኽ፣ ባህልን ሃይማኖትን ዝተኣሳሰረ ህዝቢ ንምሕዳስ’ዩ።

ኣብ ዶባት ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባ’ዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ርእይቶታቱ ብናጻ ክገልጽ እንከሎ፣ ኣብ ዶባት ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ግና ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶኡ ከይህብ ተዓቢሱ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ዶባት ብምስጋር ናብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብቲ ቅድሚ ስምምዕ ሰላም ዝነበረ ኣዋርሕ ከምዘይጎደለ ተገሊጹ።

ኤሪ ሃብ ንወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ 1791 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ዑቕባ ክሓቱ እንከለዉ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ከኣ 1738 ኤርትራውያን ከምዝኣተዉ የመልክት።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0