ኢትዮጵያ፣ ዳግማይ ኣብ እተቖሞ ሓይሊ ባሕሪ ደገፍ ጅቡቲ ከምዘድልያ ትገልጽ

ኢትዮጵያ፣ ዳግማይ ኣብ እተቖሞ ሓይሊ ባሕሪ ደገፍ ጅቡቲ ከምዘድልያ ትገልጽ

Radio Erena: 31 August 2018

Ethio Djibouti Generals

ሓይሊ ባሕሪ ንምምስራት መደብ ከምዘለዋ ዝገለጸት ኢትዮጵያ፣ ዳግማይ ንምቛሙ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ፣ ጅቡቲ ከምእትድግፋ እምነት ከምዘለዎ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ሰዓረ መኮነን ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ጀነራል ነዚ ዝገለጸ ምስ ጅቡታዊ መዘንኡ ጀነራል ዘካርያ ሸኽ ኢብራህም ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ’ዩ።

እቶም ላዕለዎት ወትሃደራውያን መኮንናት ነዚ ዝተዘራረብሉ፣ ብ29 ነሓሰ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ኮሚተ ኢትዮጵያን ጅቡትን ኮይኑ፣ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ወትሃደራውያን ጸጥታን መዳያት ምትሕብባሮም ክቕጽሉ ኣብ ዝብል ነጥቢ’ውን ተመያይጦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጸሉ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዳግም ከቑሞ ምዃኑ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ኢትዮጵያ፣ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ክነሳ፣ ነቲ ምስ ናጽነት ኤርትራ ዘኽተመ ህላወ ሓይሊ ባሕራ ዳግም ተቑመሉ ዘላ ምኽንያት ብጽኑር ኣይገለጸትን።

ኣብ ካልእ ወገን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወትሃደራት ሄሊኮፕተር ብምቅዳቓ፣ 13 ኣባላት ሰራዊት ዝርከብዎም 18 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0