ኤርትራ፣ ህዝቢ ንኣስታት ሓደ ዓመት ብግምት ዝተሰልዓሉ ውህሉል ዕዳ ኤሌክትሪክ የማርር

ኤርትራ፣ ህዝቢ ንኣስታት ሓደ ዓመት ብግምት ዝተሰልዓሉ ውህሉል ዕዳ ኤሌክትሪክ የማርር

Radio Erena: 31 August 2018

Eritrea Electricity

ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ፣ ብግምት ዝተሰልዐ ምኽፋል ውህሉል ዕዳ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንህዝቢ የማርሮ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዚ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ብተደጋጋሚ ክቃላሕ ዝጸንሐ ጉዳይ፣ ዓመቱ ቀሪቡ ክነሱ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ መፍትሒ ኣይተረኽበሉን።

በዓል መዚ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኤርትራ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሓንሳእ ቆጻሪት ዘንብቡ ዓቕሚ ሰብ ስኢና ካልእ እዋን ከኣ ክፍሊት ንእክበሉ ብዝሒ ዓቕሚ ሰብ የብልናን ዝኣመልሰለ ምላሽ ክህብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ንኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሕጂ’ውን እቲ ጸገም ዝተፈጥረ ቈጸርቲ ኣብ እዋኑ ስለዘይተነበባን ብኻልእ ረቛሒታትን ዝሰዓበ ኮይኑ እቲ ቀንዲ ጸገም ድማ ዋሕዲ ሰራሕተኛታት ከምዝኾነ ሓቢሩ ኣሎ።

ብስም ምምቕራሕ ውህሉል ዕዳ ብግምት ዝስላዕ ዘሎ ክፍሊት ንሓንቲ ቆጻሪት ናይ ተራ መንበሪ ገዛ፣ ክሳብ 3 ሽሕ ናቕፋ ዝበጽሓሉ እዋናት ምህላዉ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ነበርቲ ኣስመራ የረጋግጹ።

እዚ ናይቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ዘይተነበበ ቆጻሪት፣ ብምምቅራሕ ውህሉል ዕዳ ዝስላዕ ዘሎ ሰፍ ዘይብል ክፍሊት ንህዝቢ የማርሮ እኳ እንተሎ፣ በዓል መዚ ኤሌክትሪክ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ’ውን ስሩዕ ቆጻሪት ናይ ምንባብ መስርሕ የካይድ ከምዘየሎ ይፍለጥ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0