እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲን ተቓወምቲን መንግስቲ ኤርትራ ብዝቕጽል ዘሎ ምትፍናን ሓደ መንእሰይ ብኻራ ተወጊኡ

እስራኤል፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲን ተቓወምቲን መንግስቲ ኤርትራ ብዝቕጽል ዘሎ ምትፍናን ሓደ መንእሰይ ብኻራ ተወጊኡ

Radio Erena: 02 August 2018

eritrean stabbedኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ደገፍቲን ተቓወምቲን መንግስቲ ኤርትራ ብዝቕጽል ዘሎ ምትፍናንን ግጭትን ሓደ መንእሰይ ብኻራ ከምዝተወግአ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ክሊ 30ታት ዕድመ ዝርከብ መንእሰያት ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ኣሎ።

ፖሊስ እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሕቆቑን ከብዱን ብኻራ ተወጊኡ ብደም ተዓቢሱ፣ ብ31 ሓምለ ኣብ ደቡባዊ ቴል ኣቪቭ ዝተረኽበ መንእሰይ፣ ግዳይ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ብፖለቲካዊ ኣፈላላይ ተፈጢሩ ዘሎ ጎነጽ ክኸውን ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

ይኹን’ምበር ነቲ ኩነታት የጻርዮ ከምዘሎን ክልተ በቲ ገበን ዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወን ጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ሓደ ኤርትራዊ ብኻራ ተወጊኡ ከምዝተቐትለ ይዝከር።

ኣብ ፈለማ ወርሒ ሰነ፣ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፣ ዝተወልዐ ግጭት’ዩ ጸጸኒሑ ዝጎሃሀር ዘሎ።

ኣብቲ ናይ ወርሒ ሰነ ግጭት ክልተ ደምበታት ኤርትራውያን፣ ሓደ ፖሊስ እስራኤል ዝርከቦም ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣይርሳዕን።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0