ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝበኣሰ ይቕጽል ከምዘሎ ተገሊጹ

ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝበኣሰ ይቕጽል ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 27 June 2018

Shiela

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝበኣሰ ይቕጽል ከምዘሎ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከተጽንዕ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩት ሓቢራ።

ንሳ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝቃናዕ ዘሎ መበል 38 ዋዕላ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዘቕረበቶ መበል ሓሙሻይን ናይ መወዳእታን ጸብጻባ፣ ኣብ ኤርትራ ሕጂ’ውን ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እናቐጸሉ፣ ማሕበረ ሰብ ዓለም ሱቕ ኢሉ ክዕዘብ ምምራጹ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ።

ኣብ ኣኽርያ፣ ተማሃሮ ዲያእ ኣልእስላምያ ዘካየዶ ተቓውሞ ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ዓፈናን ጭቆናን’ዩ ዝበለት ሸይላ ኪታሩት፣ ኣብ መበል 93 ዓመት ዕድሚኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዓረፉ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ሓደ ናይ ህያው ኣብነት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ማእሰርቲ ምዃኑ ኣቃሊዓ።

ኣብ ኤርትራ እሱራት ሕጋዊ መሰላቶም ዝሕለወሎም መንገዲ ንምርግጋጽ ማሕበረ ሰብ ዓለም እጃሙ ከበርክቲ’ውን ተላብያ።

ዘይተፈትሐ ዶባዊ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ሓደ ከም ጠንቕታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይግለጽ እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ሰላምን ዕርቕን ተበግሶ፣ ንምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ማእከል ዝገበረ ክኸውን ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ።

ካብ 2012 ኣትሒዛ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክትከታተል ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩት፣ ናይ ኤርትራ መዝነታ ወዲኣ ኣላ።

ኣብቲ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ዘተን ክትዓትን፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝወከሉ ኣካላት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ በርጌሳውያን ማሕበራትን ካልኦትን ተረኺቦም ኔሮም።

ኣብ ኤርትር፣ ብዘይካ’ቶም ካብ 2001 ኣትሒዞ ደሃዮም ዝጠፍአ ሰበ ስልጣን ነበርን ጋዜጠኛታትን፣ ቅድሚኡን ድሕሪኡን፣ ብሃይማኖት፣ ስግረ ዶብን ካልእን እናተወንጀሉ፣ ልዕሊ 10 ሽሕ ኤርትራውያን ግዳያት ማእሰርቲ፣ ስቓይን ሞትን ኮይኖም ከምዘለዉ ጸብጻባት ኣህጉራውያን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት የረጋግጹ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0