ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ንዝገበረሎም ኣቐባብላ ኣመስጊኑ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ንዝገበረሎም ኣቐባብላ ኣመስጊኑ

Radio Erena: 27 June 2018

Osman Salih

ሚኒስተር ጉዳያት ውጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝገበረሎም ምቕሉል ኣቀባብላ ኣመስጊኑ።

ንሱ ብ26 ሰነ ኣብ ቤት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ “ኢትዮጵያን ኤርትራን ሎሚ ናይ ሰላም በሪ ተኸፊቱልና ኣሎ” ድሕሪ ምባል፣ ዘልኣለማዊ ክኸውን ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ።

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያ ክልተ ዘይኮነ ሓደ ህዝቢ’ዩ ዝበለ ሚኒስተር ዑስማን፣ ብሓባር ክነብር ንደሊ ኢና ክብል ደምዲሙ።

እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ፣ ዶብ ዝጋርደና ህዝቢ ኣይንኸውንን ኢና ብምባል፣ ከምዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተራእየ ሓጎስ፣ ኣብ ኣስመራ’ውን ተመሳሳሊ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብባህሊ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራውን ፖለቲካን ናይ ሓባር ረብሓ ስለዘለዎ ብሓደ ክነብር ከምዘድልይዎ ኣዘኻኺሩ።

ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማን ገብርኣን ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ብሮቡዕ 26 ሰነ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ኣብ ቤት መንግስቲ ዝተገብረ ናይ ኣቐባብላ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክጅምር፣ ኢትዮጵያውያን ናብ ባጽዕ ክዘዋወሩ፣ ኤርትራውያን በዓል ቅዱስ ዮውሃንስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከሕሉ ዝብሉ ናይ ሰላምን ሰናይ ድሌትን መግለጺታት ኣስሚዑ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0