ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ክልተ መራሕቲ ዕጡቓት ኦሮሞ ናብ ሃገሮም ኣትዮም

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ክልተ መራሕቲ ዕጡቓት ኦሮሞ ናብ ሃገሮም ኣትዮም

Radio Erena: 13 June 2018

Oromo groups

ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ክልተ ወትሃደራውያን መራሕቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ ኦሮሞ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘቕረቦ ናይ ሰላምን ደሞክራስን ጻውዒት ናብ ሃገሮም ከምዝኣተዉ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እቶም ዮናታን ዱቢሳን ኣበበ ገረሱን ዝተባህሉ ክልተ መራሕቲ፣ ናይ ግብጺ ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ሃግሩ ምስ ዝምለስ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሓቢሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።

ኣብ ኤርትራ ናይ ዝመደበሩ ግንቦት ሸውዓተ ምክትል መራሒ ዝኾነን፣ ናብ ኤርትራ እናተመልሰ ኣብ የመን ተታሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐን ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ብምሕረት ክፍታሕ እንከሎ፣ መራሒ ናይቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ብረት ንምእላይ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ውድብ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ከኣ ብልዕሊኡ ተመስሪቱ ዝጸንሐ ክሲ ከምዝተላዕሊ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ብዘይካ’ቲ ዘካይዶ ዘሎ እሱራት ናይ ምፍታሕን ስልጣን ናይ ምድልዳልን መስርሕን ኣብ ጽገናዊ ለውጢ ኢትዮጵያ ብሰለማውን ዴሞክራስያውን መንገዲ ክዋስኡ ዝደልዩ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ተቓወምትን ማዕከናት ዜንኦምን ናብ ሃገሮም ክኣትው ጻውዒት ከምዝገበረ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ንነዊሕ ዓመታት ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስን ሓላፊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ጌታቸው ኣሰፋን ብጥሮታ ድሕሪ ምፍናዉ፣ ብጀነራል ሰዓረ መኮነንን ጀነራል ኣደም መሓመድን ተኪእዎም።

ኣብ ልዕሊ’ዚ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ደስኪሎምን ተኣሲሮምን ዝነጸንሑ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ነበር ዝርከቦም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ናብ ናይ ክብሪ ማዕርርረጎም ተመሊሶም፣ ናይ ጥሮታን ካልእ መሰላቶም ተሓልይሎም ብኽብሪ ከምዝፈነው ጌሩ ኣሎ።

=========================

 

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0