ሆላንድ፣ ኣደን ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጓላን ዝቐተለ ኤርትራዊ ን20 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

ሆላንድ፣ ኣደን ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጓላን ዝቐተለ ኤርትራዊ ን20 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 13 June 2018

Holland

ኣብ ሆላንድ፣ ግሊመን ኣብ ዝተባህለ ቦታ፣ ንኣደን ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጓላን ዝቐተለ ኤርትራዊ መንእሰይ ን20 ዓመታት ክእሰር ከምዝተፈርደ መርበባት ሓበሬታ ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ነታ 23 ዝዓመታ ዓርኩን ጓል ሽዱሽተ ዓመት ጓላን ዝቐተለሉ ምኽንያት፣ ዝነበሮም ፍቕራዊ ዝምድና ከተቋርጾ ድሕሪ ምውሳና ተቖጢዑ ከምዝፈጸሞ’ዩ ዝገልጽ።

ነታ ኣደ ብናይ ኤሌክትሪክ ገመድ ሓኒቑ ብኻራ ክቐትላ እንከሎ ነታ ቆልዓ ድማ ዓፊኑ ከምዝቐተላ ፖሊስ ሆላንድ ከምዝቐተለ ጸብጻብ ፖሊስ ይጠቕስ።

ክልቲኦም ኤርትራውያን፣ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ከምዝተላለዩ ዘመልከተ ጸብጻብ ፖሊስ፣ መዋቲት ኣደ ኣቀዲማ ካብ ካልእ ሰብኣይ ዝወለደታ ቆልዓ እናሃለዋ’ያ ምስ ቀታሊ ብዕርክነት ክነብሩ ጸኒሖም።

ብሓንሳእ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ሓንቲ ቆልዓ ድሕሪ ምውላዶም፣ እታ ኣደ ዝጸንሓ ፍቕራዊ ዝምድና ከተቋርጾ ከምዝወሰነት ድሕሪ ምሕባራ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሄራን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ ምስ ጓላ ከምዝቐተለ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይሕብር።

ብሓባር ዝወለዱዋ ጓል ሓደ ዓመት ጓሎም ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይወለዲ ብምትራፋ ናብ ኣለይቲ ክትርከብ’ያ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0