ዩጋንዳ ካብ እስራኤል ንዝጥረዙ ስደተኛታት ክትቅበል’ያ

ዩጋንዳ ካብ እስራኤል ንዝጥረዙ ስደተኛታት ክትቅበል’ያ

Radio Erena: 15 April 2018

fake vizaዩጋንዳ ካብ እስራኤል ንዝጥረዙ ስደተኛታት ክትቅበል ኣብ ዝርርብ ከምዘላ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ካብ ከተማ ካምፓላ ዝተመሓላለፈ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ዩጋንዳ 500 ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ክትቅበል ምዃና ንላዕለዎት ሰበስልጣን’ታ ሃገር ብምጥቃስ ይገልጽ። ላዕለዎት ሰበስልጣን ዩጋንዳ ነዚ ጉዳይ ብወግዒ ዝእመኑሉ ዘለዉ ንመጀመሪያ እዋን’ዩ።

ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ሚኒስትሪ ካብ ከተማ ካምፓላ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቶም ካብ እስራኤል ዝጥረዙ ስደተኛታት ግቡእ መጻረዪ ተገይሩሎም ፖለቲካዊ ዑቕባ ክወሃቦም ምዃኑ’ዩ ዘመልክት።

መንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ክሰጉግ ንዘውጸኦ መደብ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ሓያል ተቓውሞ ገጢሙዎ’ዩ። እዞም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ናብ ሃገራት ምዕራብ ክጣየሱ ምስ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ ስምምዕ፣ ካብ ኣባላት’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ብዝተገብረሉ ጸቕጢ፣ መራሒ’ታ ሃገር ነቲ ስምምዕ ከምዘፍረሶ ዝዝከር’ዩ።

ብኻልእ ወገን እስራኤል ንዩጋንዳ ዝፋነዉ ስደተኛታት እትህቦ ቪዛ ዝተሰነዐ’ዩ ክብል ማዕከን ሓበሬታ ሃረዝ ብዓርቢ 13 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ገሊጹ።

ካብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዩጋንዳ ኣገልግሎት መዓርፎ ነፈርቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ኣቐድም ኣቢሎም ካብ እስራኤል ናብ ዩጋንዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ዝሓዝዎ ናይ ቪዛ ደኩመንት፣ ምስቲ ኣብ እስራኤል ዝወሃብ ወግዓዊ ደኩመንት ገፊሕ ፍልልይ ከምዘለዎ የመልክት።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንተበ ሓላፊ ምቁጽጻር ዶባት ሮበርት ካኑማ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብወገኑ፣ እቲ ቪዛ ምሉእ ብምሉእ ዝተሰነዐ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ጎዶሎን ናይ ፍቓድ ወሃቢ ፊርማ ዘይብሉን ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ካብ እስራኤል ዝፋነዉ ስደተኛታት ከምዚ ዓይነት ዝተሰነዐ ቪዛ ክወሃቦም ንፈለማ እዋን ኣይኮነን ኢሉ። ኣብዚ ዝሓለፈ 3-4 ዓመታት ልዕሊ 1,750 ስደተኛታት ካብ እስራኤል ናብ ዩጋንዳ ተፋንዮም ከምዘለዉ ጸብጻባት ሰበስልጣን ጉዳይ ስደተኛታት የመልክቱ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0